ሕቡራት ሃገራት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዝተኣሰሩ ሰራሕተኛታቱ ብህፁፅ ንኽፍትሑ ፀዊዑ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ትማሊ 22 ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ምስኦም ተፀጊዖም ዝነብሩን ኣባለት ከምዝኣሰረን ቀፂሉ ነቶም 6 ብምፍታሕ ዝተረፉ ከምዘይሰደዶም ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት እስተፈን ዱጃሪክ ሓቢሩ።

እቶም እሱራት ብህፁፅ ክፍትሑ ድማ ናብ ቤት ፅሕፈት ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ደብዳበ ከምዝተፅሓፈ እስቴፈን ዱጃሪክ ኣረዲኡ።

ማእሰርቲ እቶም ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ድሕሪ ንኣስታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተኣወጀ ኣዋጅ እቶ እቶ ዝተፈፀመ እንትኾን እቲ ኣዋጅ ካብ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ወፃኢ ሰባት ብጅምላ ተሓፊሶም ንኽእሰሩ ዘኽእል ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ነቶም ሰራሕተኛታት ሑቡራት ሃገራት ስለምንታይ ከምዝኣሰሮም ዋላ እኳ መግለፂ እንተዘይሃበ እንተኾነ ኣብዚ ቀረባ እዋን 8 ላዕለዎት ሓለፍቲ ሑቡራት ሃገራት ምስ ህወሓት ትራኸቡ ኢኹም ብዝብል ካብ ኢትዮጵያ ከምዘባረሮም ዝዝከር እዩ።

ሑቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈፀመ ኩለመዳይ ዕፅዋን ጆኖሳይድን የሻቕለኒ እዩ ካብ ምባል ሓሊፉ ዝኾነ ግብራዊ ስጉምቲ ዘይምውሳዱ ብዙሓት ዘይሻራውነት እቲ ትካል ናብ ሕቶ ምልክት የእትውዎ።