ትግራይ ካብ ሕሉፍ ዘይተምሃረትሎም ጸጸኒሖም ዘድምይዋ ዘለዉ ታሪኻዊ በሰላታት!

ስልጣነ ትግራይ ክብርኽ ልዑል ኣበርክቶ ካብ ዝነበሮም ዓውድታት ሕርሻ ዝጥቀስ እዩ። እቲ ተጋሩ ክሳብ ማእኸላይ ምብራቕ ዘተኣታተውዎ ሕርሻ ማእኸል ስልጣነኦም ካብ ኣኽሱም ናብ ላስታን ኣገውን ኢሉ እውን ናብ ሽዋ እናረሓቐ ምስከደ ሕርሻ ትግራይ እናተዳኸመ መፂኡ። 

ካብ 9ይ ክሳብ መበል 15 ክፍለ ዘመን ልዕሊ 10 ግዜ ጥሜት ኣጋጢሙ እዩ። ካብ መበል 16-20 ክፍለ ዘመን ድማ ን40 ግዜ መላእ ትግራይ ዘካለለ ሕሱም ጥሜትን ዓፀቦን ብምስዓቡ ምኽንያት ህልቀት ህዝብን ጥሪትን ምንባሩ “ቃልሲ ህወሓት ኢህወዴግ ኣንፃር ድርቂ፣ ደርግን ሻዕብያን” ኣብ ዝብል ብፀጋይ ጠማለው ዝተሰነደ መፅሓፍ ተገሊፁ ኣሎ።

ቀንዲ ምኽንያታት ጥሜትን ዓፀቦን ትግራይ ኣብ ክልተ ብምኽፋል ምርኣይ ይከኣል። እቲ ሓደ ፖለቲካዊ እንትኾን እቲ ካልኣይ ድማ ተፈጥሮኣዊ ድርቂን ኣንበጣን እዩ። ኣብዚ ፅሑፍ እንድህስሶም ከምኒ ምኹላፍ ኣብርሆታዊ ተበግሶ ምዝማን ሕርሻ ደቂቀ-እስጢፋኖስ፣ ዘመነ ውቤ፣ ዘመነ ምንሊክን ዕፅዋ፣ ጥሜትን ዓፀቦን 2014 ዓ.ም ግእዝን ፖለቲከኛታት ሽዋ ኮነ ኢሎም ትግራይ ንምብራስን ንምምብርካኽን ዓሊሞም ትሉም ብዝኾነ መልክዑ ዘዋደድዎ ሰብ-ሰራሕ ጥሜት እዩ።

ካብ 1950-1960ታት ዘጋጠመ ድርቂ ከምኡ እውን ኣብ 1977 ዝተኸሰተ ጥሜትን ዓፀቦን መጋደድቲ ሰብ-ሰራሕ ምኽንያታት እኳ እንተሃለውዎ መበገሲኡ ግና ተፈጥሮኣዊ ድርቂ እዩ ኔሩ። ኣብዚ ፅሑፍ ኣብ ታሪኽ ትግራይ ካብ ዝተሰነዱ ሰብ-ሰራሕ ጥሜትን ዓፀቦን ከምኡ እውን ኣብቶም ተፈጥሮኣዊ ድርቂ ዘጋጠመሎም እዋናት ዝነበሩ ሰብ-ሰራሕ ነቲ ጥሜት ናብ ዝለዓለ ጠርዚ ዝወሰዱ ምኽንያታትን ክንድህስስ ኢና።

ትግራይ-ወጣኒት ሕርሻ

ትግራይ በቶም ብብርኪ ዓለም ዝፍለጡ ስልጣነታታ ኣቢላ ስራሕቲ ሕርሻ ዘላለየት ዓዲ እያ። ኣብ መዝብር ብዝተኻየደ ኣብ ኳዕቲ ዝተደረኸ መፅናዕቲታት ዝራእቲ ስገም፣ ስርናይን ጣፍን ተጋሩ ቅድመ-ኣክሱም ኣትሒዞም ይጥቀሙሉ ከምዝነበሩ ዝሕብር እዩ። ቀፂሉ እውን ኣብ ስልጣነ ኣኽሱም ሕርሻ ትግራይ ብዓይነትን ብዝጥቀሞ ቴክኖሎጂን ክሰፍሕን ክምዕብልን ክኢሉ እዩ።  

ደብተራ ፍሰሃ ጊዮርጊስ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኣብ ዝብል መፅሓፎም ኣብ ገፅ 4 ዝሰነድዎ ስልጣነ ብሄረ-ኣግኣዚ ስልጣነ ብሄረ-ኣግኣዚ በሪ ዓረብ እናተሳገረ ስነ-ህንፃን ሕርሻን ከምዝጀመረ ሰኒዶምዎ እዮም። ደብተራ ፍሰሃ ጊዮርጊስ “እዞም ኣግኣዛውያን ንበር ዓረብ እናተሳገሩ ኣባይትን ሕርሻን ይገብሩ ከምዝነበሩ የረድእ” ብምባል ሕርሻ ትግራይ መሰረት ስልጣነ ማእኸላይ ምብራቕ ኮይኑ ምግልጋሉ ይጠቕሱ።

መምህር ኣማሃ ካሕሳይ “እንታይ ክንበልዕ ኢና ዝብል ስግኣት ተጋሩ ክሳዕ መዓዝ?” ብዝብል ርእሲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣብ ዘቕረብዎ ፅሑፍ ትግራይ ካብ ስልጣነታታ ብፍላይ ካብ ዘመነ ኣኽሱም ኣትሒዙ እንስሳት ዘቤት ናይ ምርባሕን ምድቓልን ከምኡ እውን ተሞክሮ ምልማድ እንስሳት ዘገዳም ከምዝነበራ ኣብሪሆም።  

ብፅፍርና ንንበር-ስነ-ሓሳብ ደቂቀ እስጢፋኖስን ግብረመልሱን

ደቂቀ እስጢፋኖስ ቅድሚ ዘበነ ኣብርሆት ኣውሮፓ ቅድሚ ሰለስተ ክፍለዘመናት ኣብ ባህሊ ስራሕን ስርዓተ-መነባብሮን ሓዱሽ ምህዞታት ሒዞም ዝመፁ እዮም። እዞም ኣብ ሕርሻ ፍሉይ ተውህቦ ዝነበሮም ገዳማውያን “ሰሪሕኻ ርሂፅካ ብላዕ” ዝብል ኣስተምህሮ መፅሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ዝፍለጡ እዮም።

መስኖ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ዘበናዊ ትግበራ ሕርሻ ብምምሃዝ ክሳብ ሐዚ ኣብ ትግራይ ፍሉጥ ንዝኾነ ፍርያት ኣራንሺ ገዳም ጉንዳጉንዶን ኣፕል ገዳም ኣሲራ መቲራን ሰረት ከምዝኾኑ መምርህ ኣማሃ ጠቒሶም። ደቂቀ እስጢፋኖስ ነቲ ኣብቲ እዋን ብተሓለቕቲ እምነት ክርስትና ኢና በሃልቲ ዝትከል ዝነበረ ኣብያተ እምነትን ሕብረተሰብን ብበዓልን ግዘታን ብምሓዝ ኣብ ለመና ዝተደረኸ ንንግስና ዘርኣያቆብ ኣሜን ኢሉ ዝቕበል ከይዲ ማሕበራዊ ህንደሳ ብምቅዋም ኣብ ፃዕርን ስራሕን ዝተደረኸ ማሕበራዊ ኣነባብራ ንምብራኽ ዝሰርሑ ዝነበሩ እዮም። 

በዓል ሞያ ምልላይ ሓድጊ እዮብ ካሕሱ “ተጋሩ ሊቃውንቲ ደቂቀ እስጢፋኖስ ንምጥቃዕ ኣብቲ እዋን ንዝነበረ ድሕረት ዝፈታተን ስራሕ ዘኽብር ኣምር ሒዞም ብምብጋሶም ዘርኣያቆብን ተሓባበርቱን ብግፍዓዊ መንገዲ” ከምዝጨፍጨፍዎም ገሊፁ።       

ንስራሕን ፃዕርን ቀዳምነት ዝህብ ኣብርሆታዊ ኣተሓሳስባ ደቂቀ እስጢፋኖስ ንብዙሓት ከይፀሉ ብምስጋእ ድማ ብዘርኣያቆብ “ንማርያም ኣይንሰግድን ኢሎም” ብዝብል ሽፋን ክሳብ ምስዋእ ዝበፅሕ ዋጋ ዋላ እኳ እንተኽፈልዎም “ሰብ ካብ ወርሒ ናብ ወርሒ በዓል እናበለ ካብ ዝልምን ሰሪሑ ፈጣሪኡ ኣመስጊኑ ክነብር ይግባእ” ዝብል ኣተሓሳስበኦም ግን ክሳብ ሎሚ ቀላሳይ ኣተሓሳስባ ኾይኑ ይቕፅል ኣሎ።  

ዘመነ ውቤ

ኣብ ዘመነ መሳፍንቲ ደጊያት ሱባጋድስ ትግራይ የመሓድሩ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ሓረስታይ ትግራይ ኣብ ለምዒን ፀግነትን ምንባሩ ሰነዳት ታሪኽ ይሕብሩ። ደብተራ ፍሰሃ ጊዮርጊስ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኣብ ዝብል መፅሓፎም ኣብ ዘመነ መሳፍንቲ ዝነበረ ሃፍቲ ትግራይ ከም ዝስዕብ ይገልፅዎ።

ትግራይ ራሕሱን ብዕሱን ሕሉፍ ነበረ። ኣሕስኣን ጉንደትን፣ ሓማሴንን ኣከለ ጉዛይን ብዝሒ ከብቶም ማህለቕቲ ኣይነበሮን። ኣብ ማእኸል ትግራይ ከዓ እኽሊ ከም ሑፃ ነበረ። ናይ ሓደ ሓደ ፅግና ሎሚ እንተ ተተረኸ ንቱ ተራኺ ሓሳዊ መበሊኡ እዩ እምበር ኣብ እቱ ሃገር ዘይተፈጥረ ሰብ ምእማኑ ይፅግም።

ኣብ እዋን ዘመነ መሳፍንቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ከቢድ ሃሰያ ካብ ዘዕረፉ ታሪኻዊ ከይድታት ዘመነ ውቤ ተጠቃሲ እዩ። ዶ/ር ሰለሙን በርናባስ የኢትዮ-ኤርትራ ስንክሳር ኣብ ዝብል መፅሓፎም ድሕሪ መስዋእቲ ደገዝማቲ ስባጋድስ ካብ 1831-1847 ዓ.ም ደገዝማቲ ውቤ ትግራይ-ትግርኚ ከም ዝገዝኡ ይጠቕሱ። ኣስዒቦም እውን ደገዝማቲ ውቤ ኣብ ትግራይ ከቢድ ዕንወት ምስዓቦም ከም ዝስዕብ ይገልፁ። 

ኣብ ከባቢ ሰሜን ካብ ዝነበረ ማእኸሎም ናብ ትግራይ-ትግርኚ ዝዘምት ዝነበረ ሰራዊቶም ሃፍቲን ንብረትን ህዝቢ ትግራይ ክዕኑን ከንገላትዕን ከም ዝፀንሐ እዩ ዝፍለጥ። ደጊያት ውቤ ጨካንን ቂመኛን ገዛኢ ከምዝነበሩን ምናልባት እውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ግጉይ ምልከታ ከምዝነበሮምን በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ህዝቢ ኣምሪሩ ዝፀልኦ ምሕደራ ከም ዝነበረን እዩ ዝዝረብ። 

ብተመሳሳሊ መልክዑ ደበተራ ፍሰሃ ጊዮርጊስ ኣስዒቦም ሃፍቲ ትግራይ ብደጊያት ውቤ ከም ዝሃለቐ ከም ዝስዕብ ይጠቕሱ።

እንተኾነ ደጊያት ውቤ ኩሳ ትግራይ ተፈጢሮም ጨው ገበሩዋ። ቅድሚ ደጊያት ውቤ ፈሰስ ዝበሃል ዕዳ ኣይፍለጥን ነበረ። ወርቂ ንጉስ ወይ ግብሪ ጥራይ ይኽፈል ነበረ። ንሶም ንትግራይ ንምጥፋእ ዘይፈጠርዎ ዕዳን ዘይኣውፅእዎ ምሰን ኣልቦን። ኣብ ማእኸል ትግራይ ብደጊያት ውቤ ዝዓነወ ክንደይ ዑና ይረአ። ኣብ ማእኸል ትግራይ ጥራሕ ኣይኮነን ኣብ ትግራይ ብዘሎ ደኣ እዩ።

እቲ ካሊእ ኣብ ዘበነ ውቤ ዝካየድ ዝነበረ ዝምታ ሃፍቲ ጥራሕ ከይኮነስ እቲ ሰራዊት ክወስዶ ዘይኽእል ሃፍቲ ድማ ትግራዋይ ከይጥቀመሉ የዕንዎን የቃፅሎን ምንባሩ እዩ። ዶ/ር ሰለሙን ባርናባስ እቲ ብነፍጠኛታት ደጊያት ውቤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ጉሕለትን ዝምታን ሓደ ክልተ ጊዜ ጥራሕ ከይኮነስ ትሉም ብዝኾነ መልክዑ ይካየድ ምንባሩ ኣብቲ የኢትዮ-ኤርትራ ስንክሳር ዝብል ሰነዶም ይሕብሩ።

በቢዓመቱ ዝለኣኽ ነፍጠኛ ወታደሮም በብገዝኡ ተመዲቡን ተኸፋፊሉን “ስርዓት ግበር” ዝብሎ ዘይብሉ ሃፍትን ንብረትን ህዝቢ ከም ድሌቱ ይገፍፍ ከም ዝነበረ እዩ ዝዝረብ።                    

ኣብ ዘመነ ውቤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘይተነበረ ግብሪ ዘይተዘመተ ሃፍቲ ኣይነበረን። ደብተራ ፍሰሃ ጊዮርጊስ ኣብ መፅሓፎም ሕሉፍ ሓሊፉስ ዕዳ መርዑ ዝበሃል ግብሪ ምንባሩ ከም ዝስዕብ ይገልፁ።

ካሊእስ ይትረፍ ዕዳ መርዑ ዝበሃል ዕዳ ኣውፅኡ። ነቶም ተጋሩ ኣብ እንዳ እቶም 40፣ 50 ወይ ዝበዝሑ ኣምሓራ ምስ አግራይምን ቆልዑኦምን መፅዓኛታቶምን ይመርሑዎም እሞ 2 ቕነ 3 ቕነ ወይ ገለ ኣዋርሕ እንተ ኣንስቲ እናጠሓናን እናሰንከታን እተመርፀ ኣፃብሕ እናሰርሐን ይቕልቦም። ምስኡ እንከ ፀርፍን ውርደትን ማህረምትን ኣይተርፍን ነበረ።

እቲ ካሊእ ነጥቢ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሖ ግፍዕታትን ነዞም ምልካውያን ወረርቲ ዝሃቦ ግብረ-መልስን ድማ ንርአ። ደብተራ ፍሰሃ ጊዮርጊስ ኣብ ዘበነ ውቤ ዝነበረ ግብረ-መልሲ ህዝቢ ትግራይ ከምዝስዕብ ይገልፅዎ።  

እንካብ ቱይ እንተ ኣንስቲ እንካብ ፅበት ዓቕሊ እተላዕለ ይበኽያ። እቶም ሰባኡት ከኣ ዝገብርዎ የዓፅቦም እሞ ገሊኣቶም ጥሪታቶም ነቶም ኣምሓራ ኣብ ገዛ እናገደፉሎም ሰበይቶምን ደቃቶምን ሒዞም መመሊቖም ይጠፍኡ ነበሩ። ገሊኣቶም ከዓ ነቱ ሓለቓ ወተሃደር እናቐተሉ ንበረኻኣቶም የኣትው ነበሩ። ኣምሓራ  እዙይ ኪለው መዓት ኣፍስስ ምስ ኣበሉ ንዓዳቶም ይምለሱ ነበሩ። ፀኒሖም ከኣ ነቱ ዝጠጥዔ ክላቐሙ ሰቦም ኪለው ኣኽቲቶም ንትግራይ ይሳገሩ።

ደብተራ ፍሰሃ ጊዮርጊስ ካብ ደጊያት ውቤ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፈሓስወን ተንኮላት (conspiracy theory) ነታ ሓንቲ ከምዝስዕብ ይጠቕሱ።

ሓደ ጊዜ ደገዝማቲ ምእንቲ ተጋሩ ዝገብሩዎ ክዕዘቡ ኣብ ውሽጢ ድንኳኖም ተዓፅዮም ንሰብ እንከይ ተራእዩ ተቐመጡ። ናብ ድንኳኖም ሰብ ከይኣቱ ብፅኑዕ ተኸልከለ። እንካብ ቱይ ደገዝማቲ ያኢ ሞይቶም ተባሂሉ ተወዝዐ። ሰብ ኪለው እውን ኣብ ውሽጢ ጎዳጉዲ ሓቢእዎ ዝነበረ ኣናፍጢ እናውፀአ ክወላውል ኣትሓዘ። ውቤ እዙይ ምስ ሰምዐ ትግራይ እትውዝዕዮን እትገብርዮን ዘሎኺ ፈሊጠዮ ኣለኹ ቢሎም ናይ ምህላዎም መፍለጢ ብርቱዕ ዕዳ ኣውደቑ። ኣሎ ውቤ ዝበሃል መጋህነን መስፈር ኣውፅኡ። 

ምሕደራ ዘበነ ውቤ ምስ ደገዝማቲ ካሳ ማለት እውን ሃፀይ ቴድሮስ ድል ይብዛ ኣብ ዝበሃል ቦታ ተዋጊኦም ምስ ተስዓሩ ብ1847 ዓ/ም ኣብቂዑ ናብ ሽፍትነት ተመሊሶም ህይወቶም ፈቐዶ እምባን ኩርባን ወድኡ።

ኣብ ዘበነ ውቤ ትግራይ ንምስኳን ዝተኻየዱ ዕንወታት ብምብዝሖም ትግራይ ኣብ ታሪኻ ሪኣቶ ዘይትፈልጥ ግፍዕታት ገጢሙዋ እዩ። በዚ እውን ዶ/ር ሰለሙን ባርናባስ ከም ዝገለፅዎ ደገዝማቲ ውቤ ጨካን ብምዃኖም በቲ እዋን ሰብ “ውቤ ይሙት” እናተበሃሃለ ይምሕል ከም ዝነበረን ኣብቲ ዘመን እቲ ዝፀመመ ሰብ እቲ ማሕላ ስለዘይገደፎ “ኣብ ዘበነ ውቤ ያ ዝፀመመስ ውቤ ውቤ እናበለ ሞተ” ዝብል ምስላ ወፂኡ ምንባሩ ይሕብሩ።

ዘመነ ምንሊክ (ዘመነ-ሼ)

ሃፀይ ዩውሃንስ ግዝኣታዊ ሓድነት ሃገር ንምውሓስ ኣብ መተማ 10 መጋቢት 1889 ዓ.ም ግእዝ ብጅግንነት ምስተሰውኡ ውሽጣ ውሽጢ ምስ እንግሊዝ፣ ፈረንሳይን ጣልያንን ዝሰርሑ ዝነበሩ ሃፀይ ምንሊክ ንስልጣኖም ሓደጋ እያ ንዝበልዋ ትግራይ ከባድሙ ብ1890 ዓ.ም ግእዝ ወፈሩ።        

ጣልያን እውን ኣብ ኢትዮጵያ ንዘካይዶ ወራር ቀንዲ ፈተና ዝኾንዋ ተጋሩ ምዃኖም ተረዲኣ ኣብ ሞንጎ መሳፍንቲ ትግራይ ዝነበረ ዘይምቅድዳው ክሰፍሕ ከምኡ እውን ህዝቢ ትግራይ ብጥሜት ንምንምብርካኽ ብካውንት ኣንቶኔሊ ኣቢላ ትሰርሕ ኔራ። ብፍላይ 1880 ዓ.ም ጣልያናውያን ብቀይሕ ባሕሪ እንትኣትው ሒዞምወን ዝመፁኡ 800 ኣፍራስን 1000 ኣብቅልትን ሕማም ጉልሓይ (Rinderpest) ሒዘን ብምእታወን ኣብ ትግራይን ኤርትራን ዝነበራ እንስሳት ከምዝሃለቓ ፀሓፊ ፀጋይ ጠማለው ሰኒዶምዎ ይርከቡ።         

በዓል ሞያ ምልላይ ሓድጊ እዮብ ካሕሱ “ስርዓት ምንሊክ ብወፍርታት ሓድግታት ትግራይ ብምውራር ዝረኸብዎ ህዝቢ ብምቕታል፣ ደቂ ኣነስትዮ ብምድፋርን ቤት ንብረት ብምቅፃልን ህዝቢ ትግራይ ርእሱ ከድንን ብትልሚ ሰሪሖም እዮም” ብምባል ይገልፅ።

ሃፀይ ምንሊክ ንትግራይ ዝወፈሩሉ ቀንዲ ዕላማ እቲ ብውዕሊ ውጫለ ንባሕረ-ነጋሽ ትኹንካ ኢሎም ዝሃብዎ ጣልያን ሓሊፉ ክሳብ ዓድዋ ብምቁፅፃሩ ግዝኣታዊ ሓድነት ሃገር ከውሕሱ ኣይኮነን። መምህር ፀሓፊ ታሪኽ ግርማይ ገብረፃድቕ የሰሜን አጥር ኣብ ዝብል መፅሓፍም ኣብ ገፅ 169 ንትግራይ ዝወፈሩ ንትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሮም ንምእታው፣ ንተጋሩ ብሓይሊ ዕጥቂ ንምፍታሕ፣ ኣብ ማርያም ፅዮን ኣኽሱም ንግስናዊ ኩነታት ንምፍፃምን ምስ ጣልያናዊ ካውንት ኣንቶኔሊ ብዛዕባ መፃኢ ዕድል ውዕሊ ውጫሌ ንምዝታይን ምንባሩ ይሕብሩ።

ደብተራ ፍሰሃ ጊዮርጊስ ዓብየዝጊ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኣብ ዝብል መፅሓፎም ኣብ ገፅ 134 ሰራዊት ምንሊክ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘብፅሕዎ ዝነበሩ በደል ከምዝስዕብ ሰኒዶምዎ።

ንመቐለ ልሕፅ ኣቢሎም ዘመቱዋ። ጥቓ መንገዲ ዝነበረ ዓዳት እውን ተወረ፤ ተተኮሰ። ብዙኅ ነብሲ ተማወቱ። ከምቲ ልማድ ሃገራቶም እውን እተረከበ ሰብኣይ ኪለው ሰብሔ ዐበረ፣ ዓበየ ነኣሰ ሰለቡዎ።

ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ብሰራዊት ምንሊክ ዝወርድ ዝነበረ ግፍዒ ብኣካል ዝተዓዘቡ ደብተራ ፍሰሃ ጊዮርጊስ እቲ ኣብ ልዕሊ እንደርታ ዝበፅሐ ግፍዒ እንትገልፁ፥

ሽዋ ንእንደርታ ከምዘይነበረት ገበሩዋ። በይናስ ተባዕታይ ይኩን እምበር ዝተረከበ ሰብ ኪለው ይሕረድን ይስለብን ነበረ። እቶም ሰብ እንደርታ ከኣ ፈቀዶ ደንጎላን ኣግራብን እናተሓብኡ ብዙሕ ሰብ የፍልሱ ነበሩ። እቶም ሽዋ እንከ ትግራይ ዓዲ ቅርሺ እዩ እናበሉ ነቲ ኣባይቲ ኪለው መሰረቱ እንተይ ገደፉ ይፈናቕልዎ ነበሩ። እንተዘይረከቡ ግን ሓዊ እናመለሰሉ ይከዱ ነበሩ። ንእንዳ ኣብርሃ ኣፅብሃ ነቱ ብኢትዮጵያኡ ዜክብሮ ደብሪ በዝበዝዎ።  

ራእሲ ስብሓት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝወረደ መዓት ምስተዓዘቡ ካብ ሃፀይ ምንሊክ ሸፊቶም ምስቶም ቀዲሞም ኣብ ልዕሊ ምንሊክ ዝኣደሙ እኒራእሲ መንገሻ፣ ራእሲ ኣሉላን ራእሲ ሓጎስን ከምዝተሓወሱ ግርማይ ገብረፃድቕ የሰሜን አጥር ኣብ ዝብል መፅሓፎም (ገፅ 178) ሰኒዶምዎ ኣለው። በዚ ዝሰግኡ ሃፀይ ምንሊክ ንደቶም ኣብቲ ህዝቢ ክዋፅኡ ንሰራዊቶም ናብ ኣኽሱም ምኻድ ገዲፎም ከምሓዱሽ ህዝቢ ከበሳብሱን ቤት ንብረት ክወሩን ከዕንውን ኣዘዙ። ደብተራ ፍሰሃ ጊዮርጊስ ኣብ ደጉዓ እንዳስላሴ ዝተዓዘብዎ ከምዝስዕብ ይጠቕሱ።

ደጉዓ እዳስላሴ ደብሩ ፅኑዕ፣ ከተማኡ ሃብታም ዓዲ ነጋዶ እዩ። ንሱውን ተበዝበዘ። ኣባኡ ዝፀንሔ ኣቅሑን እክልን ብዝኁ ንኣምኃራ ኣደነቓቶም። …ገቢላ ከም እእማን እክሊ ከኣ ከም ሓመድ ኮነ… ዘረፋ ምስተጀመረ ብርቱዕ ኲናት ኮነ… እንተ ሰብ እንካብ ኲላቶም ብዙኅ ሞተ። …ልቢ ዘለዎ ሰብ ኪለው ብዛዕባ ኅልፈት ትግራይ ብዙኅ ይኅዝን ነበረ።

ሃፀይ ምንሊክ ነቶም ዝዓመፁ መሳፍንቲ ትግራይ ምክትታል ገዲፎም ኣብ ፅራእ፣ ገረዓልታ፣ ሓራማት፣ ፃዕዳ እምባን ከባቢኡን ሰራዊቶም ንደቂ-ተባዕትዮ ብምስላብን ብምቕታልን፣ ንደቂ-ኣነስትዮ ኣገዲዶም ብምዕማፅን ብዘይክፍሊት ብምሽቃልን፣ ዝተገነየ ጥሪት ብምጉሓልን ገዛውቲ ብምቅፃልን ከቢድ ግፍዒ ኣውረዱ። ነዚ ዝተዓዘበ ህዝቢ ብኣንፃሩ በቢከባቢኡ ዘለዎ ዕጥቂ ወዲቡ ኣብ ጎቦታት ድፋዕ እናሰረሐ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ብምጅማሩ ሰራዊት ምንሊክ ምምራርን ገሊኡ እውን ንዓዱ ምምላስን ጀመረ።

በዚ ምኽንያት ኣብ ወጥሪ ዝኣተው ሃፀይ ምንሊክ ናብ ራእሲ መንገሻ መልእኽቲ ንደራደር ምስለኣኹ ራእሲ መንገሻ እውን “ሰብን ሃገርን እንድኅር ጠፊኡ በይነይ እንተተረፍኩ ምንታይ ክጥቀመሉ እየ”  ብምባል እቲ ዕንወት ናብ መላእ ትግራይ ከይዛመት ብምሕሳብ ናብ ዕርቂ ኣተው። ሰራዊት ሽዋ እውን ብተጋሩ ዝበፀሖ ውቅዒት ብምምራሩ ቀዲሙ ከካብ ኣድባራቱ ዝኣከቦ ቅርስታትን ንብረትን ከምኡ እውን ደብተራ ፍሰሃ ጊዮርጊስ “እንተ እቶም ኣምኃራ ዝዘመቱወን ከብቲ ኣኅዞምዎን ንዓዳቶም ከዱ” ብምባል ነቲ ኩነታት ምምላስ ሰራዊት ምንሊክ ይገልፅዎ።   

ድርቂ 1950-1960ታት

ካብ 1951 ክሳብ መወዳእታ 1960ታት ኣብ ትግራይ ሕሱም ጥሜትን ዓፀቦን ዘስዐበ ድርቂ ዝተርኣየሎም እዋናት እዮም። ፀሓፊ ፀጋይ ጠማለው ቃልሲ ህወሓት ኢህወዴግ ኣንፃር ድርቂ፣ ደርግን ሻዕብያን ኣብ ዝብል መፅሓፎም ኣብ ገፅ 23 እቲ ሽዑ ዘጋጠመ ድርቂ ከምዝስዕብ ጠቒሶምዎ ኣለው።

ኣብ 1951 ዓ.ም ድርቂ ኣብ ትግራይን ኤርትራን ብዙሕ ህዝቢ ዝሃለቐሉን ዝተረፈ ህዝቢ መረበቱ ለቒቑ ናብ ጎረባብቲ ክፍለ ሃገራት ኢትዮጵያ ዝተሰደደሉ እዋን ነበረ።

እቲ ካብ 1951 ክሳብ መወዳእታ 1960ታት ኣብ ትግራይን ኤርትራን ዘጋጠመ ጥሜት ፈለማ ብተፈጥሮኣዊ ድርቂን ዝራእቲ ብፌንጣ፣ ኣንበጣን ባርኖስን ብምብልዑን ዝተፈጠረ ኮይኑ ብኸይዲ ግና ሰፊሕ ሽፋን ብዝዝርግሑ ለበዳታት ሕማም ፍንጣጣ፣ ታይፈስ፣ ንፍዮን ዓሶን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝግመት ህዝቢ ሃሊቑ እዩ። 

ፀሓፊ ፀጋይ ጠማለው ስርዓት ሃፀይ ሃይለስላሰ ዝሃብዎ ግብረመልሲ እቲ ዝተፈጠረ ጥሜት ተጠናኺሩ ክቕፅልን ናብ ከቢድ ዓፀቦ ኽቕየርን ከምዝገበረ ከምዝስዕብ ይገልፁ።

መንግስቲ ሃፀይ ሃይለስላሰ ክሳብ መስከረም 1952 ዓ.ም እዚ ኹሉ ህዝቢ እናሃለቐ እቲ ሓደጋ ድርቂ ከይፍለጥን ሓገዝ ከይረክብን ዝገበሩሉ እዋን ነበረ። ዋላ ድሕሪ ክልተ ዓመት ህዝቢ ኢትዮጵያ ፈሊጥዎ እናሃለወ እውን ዝተወፃፀአ ሓገዛት ቀልጢፉ ናብቲ ዝጠመየ ህዝቢ ትግራይ ክበፅሕ ኣይተገበረን።

ስርዓት ሽዋ ንድሕንነት ህዝቢ ትግራይ ተጨኒቑ ኣይፈልጥን። የግዳስ ነቲ ብዘይናቱ ታሪኽ ክዕበ ዝፅዕር “መሰረት ኹሉ ኣምሓራ እዩ” ዝብል ኣብ ምውራስ ትግራይ ክኸብር ዝፅዕር ምስ መንነቱ ዝተበኣሰ  ኣካል ሕልሙ ንምግሃድ ክበሃል ክሳብ እዛ ለይቲ ሎሚ ስርዓት ሽዋ ሓንሳእ ከምቲ ሃፀይ ሃይለስላሰ ዝገበርዎ ምስ ድርቅን ኣንበጣን እናተመሓዘወ ካሊእ እዋን ከዓ ባዕሉ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ሰብ-ሰራሕ ጥሜትን ፅንተትን እናኣወጀ ፀኒሑ እዩ።

ሕሉፍ ሓሊፉስ ዓለምለኸ ሚድያታት ሃፀይ ሃይለስላሰ ልደቶም ዘኽበሩሉ ፅምብል ምስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝወረደ ጥሜትን ዓፀቦን ብምንፅፃር እቶም ንጉስ ክንደየናይ ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ፅንተት ከምዝፈረዱ ዘመላኽት ምዃኑ ፀብፂበንኦ እየን።   

ማሕበረሰብ ዓለም ሕልፍ ሕልፍ ኢሎም ሸሊኾም ብዝወፁ ሓበሬታታት ኣብ ትግራይ ሰብ ይረግፍ ምህላው ኣብ ዝተረደአሉ መስከረም 1953 ዓ.ም ሓገዝ ስርናይን ምሸላን ናብ ኤርትራን ትግራይን ለኣኸ። ይኹን እምበር ፀሓፊ ፀጋይ ጠማለው “እዚ ሓገዝ ዝበፅሐሉ እዋን ከባቢ 100,000 ህዝቢ ከምዝሞተ ይንገር” ብምባል እቲ ሓገዝ ብዙሕ ህዝቢ ምስሃለቐ ምብፅሑ የረድእ።   

ድርቂ 1977

እቲ ኣብ 1977 ዓ.ም ብሰፊሑ ዘጋጠመ ድርቂ ብሃንደበት ዝተፈጠረ እንተይኾነስ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኣትሒዙ ምልክታት እናርኣየ ምፅንሑን ስርዓት ደርግ ነቲ ድርቂ ንምክልኻል ዝወሰዶ ስጉምቲ ከምዘይነበረን ዶ/ር ሰለሙን ዕንቋይ ሰኒዶምዎ ይርከቡ። መንቀሊ እቲ ድርቂ ድማ ዋሕዲ ማይን ዝራእቲ ብሓሰኻ ባርኖስ ምብልዑን ምዃኑ ፀሓፊ ፀጋይ ጠማለው ይገልፁ።  ስርዓት ደርግ እውን ብተመሳሳሊ ብስም ድርቂ ሰፈራ ብዝብል ሽፋን ተጋሩ ብግዲ ንምምዝባል ከም ፖለቲካዊ ሽፋን ተጠቒሙሉ እዩ። 

ኣብ 1977 ዓ.ም እውን ዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት እዋን ፋሽሽታዊ ስርዓት ደርግ ናብ ስልጣን ዝመፀሉ 10ዓመት ንኸኽብር ፍሰስ ተፋሰስ ድግስ እንትገብር እዚ ህልቂት ሕብረተሰብ ዓለም ከይፈልጦ ክሓብእ ፈቲኑ እዩ።

ደርጊ ብስም ጥሜት ትግራይ ዝረኽቦ ዝነበረ ሓገዛት ተጠቒሙ ኣብ ልዕሊ እቲ ብጥሜት ዝማሰነ ህዝቢ ትግራይ 8ወራር ብምክያድ ኣብ ልዕሊ እቲ ብጥሜት ዝማሰነ ህዝቢ ትግራይቁሸታት ብምቅፃል እቲ ብጥሜት ዝማሰነ ህዝቢ ብዓረር ክሃልቕ ፅዒሩ። ፀሓፊ ፀጋይ ጠማለው እውን ትልሚ ደርግ ካብ ለገስቲ ሃገራትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ዝመፀ ሓገዝ ከምመካየዲ ወተሃደራዊ ወፍርታት ብምጥቃም ተጋሩ ንምፅናት ምስርሑ ከምዝስዕብ ይሕብሩ።

ደርጊ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ኣጋጢሙ ብዝነበረ ሓደጋ ድርቂ ተጠቒሙ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ሰኣንናዮም ረኸብናዮም ሎሚ እዩ ‘ዓሳ ንምቕታል ባሕሪ ምንፃፍ’ ዝብል ኣረመኔያዊ ጭርሖ ኣዊጁ እዩ። በዚ ኣዋጅ መሰረት ኣብ መጀመርያ ሰራዊት ደርግ ብነፈርትን ታንክታትን ዝተዓጀበ ካብ ከተማታት ትግራይ ወፂኡ ኣብ ገጠራት ተወዳዳሪ ዘይብሉ ግፍዕታት ፈፂሙ እዩ።

 ፀሓፊ ፀጋይ ጠማለው ቃልሲ ህወሓት ኢህወዴግ ኣንፃር ድርቂ፣ ደርግን ሻዕብያን ኣብ ዝብል መፅሓፎም ኣብ ገፅ 27 ካሊእ ተሪፉስ ደርግ ናብ ስደት ሱዳን ይጉዓዓዝ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ህዝቢ ኣብ ኣውጋሮ ሃይኮታ ደብዳብ ነፈርቲ ኣካይዱ ዝቖሰሉን ዝሞቱን ከምዝነበሩ ጠቒሶም እዮም።

ብኻሊእ መዳይ ብመስመር ሸራሮ ዝጉዓዝ ዝነበረ ህዝቢ ሻዕብያ ምስ ህወሓት ብዝጀመሮ ምቅርሓን ምኽንያት ብምኽልካሉ ብኣሽሓት ዝቑፀር ህዝቢ ንሞት ተቓሊዑ እዩ። ፀሓፊ ፀጋይ ጠማለው ብሻዕብያ ዝተገበረ ምኽልካል መንገዲ ከምዝስዕብ ሰኒዶምዎ ኣለው።

 ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 1977 ዓ.ም ሻዕብያ ህዝቢ ዝጓዓዘሉ ዝነበረ መስመር ሸራሮ-ሸላሎ-ከሰላ ከልኪሎም ከባቢ 30,000 ዝኸውን ህዝቢ ኣብ ዶብ ሱዳን-ኤርትራ ዓገትዎ። …ቀፂሉ ኣብ ሓደ ወርሒ ዝኸውን ጊዜ ብቕልፅም ህዝብን ተጋዳላይን ሓዱሽ ዘተኣማምን ፅርግያ ከባቢ 200 ኪሎ ሜትር ብምስራሕ ብወልቃይት ኣርማጭሆ መስመር ናብ ወዲ ኸውሊ ሱዳን እዩ ዝስደድ ህዝብን ረድኤት ዘመላልሳ መካይንን ክጉዓዓዝ ዝተገበረ። ሽማግለታትን ህፃናትን ሰኣን ቀሊል ሕክምናዊ ረዲኤትን ምግብን ኣብ ዶብ ሱዳን-ኤርትራ ከምቆፅሊ ረገፉ። ካብቲ ተዓጊቱ ዝነበረ ከባቢ 30,000 ዝኸውን ስዱድ ህዝቢ ህፃናት ጥራይ ልዕሊ 1,000 ኣብ ሑፃ ግርማይካን ቱኮልባን ከባቢኡን ዘለው ቦታታት ከምዝተቐበሩ ይዝከር።  

ስርዓት ደርጊ ንድርቂ 1977 ዓ.ም ከም ፅቡቕ ዕድል ተጠቒሙ ህዝቢ ትግራይ ብምፅናት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝጉዕፅፀሉ ሜላታት ኣብ ግብሪ ዘውዓለሉ ሓደ ፈታኒ ታሪኻዊ ምዕራፍ ህላወ ተጋሩ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ጥሜቱ ከይኽእል ብኣየርን ብምድርን ቁምብላታት ኣብ ቁሸታት ብምዕላብ ብጥሜትን ዓረርን ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ እዩ።

ህዝባዊ ግንባር ኤርትራ (ሻዕብያ) እውን ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ንዝነበሮም ፖለቲካዊ ኣፈላላይ እዚ ድርቂ ከም ሰናይ ዕድል ብምውሳድ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝነበሮም ቂም ኣብ ህዝቢ ትግራይ ከወራርዱ ፅዒሮም። ከምውፅኢቱ እውን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ህፃናት ዝርከብዎም ብሸራሮ ኣቢሎም ንሱዳን ክሰግሩ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ተጋሩ ንህልቀት ዳሪግዎም እዩ።           

ሰብ-ሰራሕ ጥሜትን ዓፀቦን 2013-2014 ዓ.ም ግእዝ

እቲ ትማሊ መንገዲ ብምዕፃው ምኽንያት ህልቀት ህፃናት ትግራይ ዝኾነ ስርዓት ሻዕብያ ሎሚ እውን ቀላሲ ፅንተት ተጋሩ ኮይኑ ምምፅኡ ታሪኽ ባዕሉ ደጊሙ ክንብል ከይኮነስ ንምንታይ ካብ ሕሉፍ ጌጋና ዘይተምሃርና ኢልና ሰኺንና ዓርስና ክንፍትሽ ዘገድድ እዩ።

ቅድሚ ትማሊን ትማሊን ኩለመዳይ ድቀት ተጋሩ ንምግሃድ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዓቕሞም ዘኽተቱ ሽዋቶት ሎሚ እውን ‘ኣብዛ ምድሪ ዘርኦም ክተርፍ የብሉን’ ኢሎም ከቲቶም ትግራይ እንተዕንውዋ ቀዳማይ ተሓታቲ መን ይመስለኩም? ባዕልና ኢና።

ንሓሙሽተ ሽሕ ዓመታት ሃገርን ሃገራውነትን ዝመስረተ ህዝቢ ትግራይ ትርጉም ሃገራውነት ንዘይፈልጡ ካልኦት ንብርኪ ብሄራዊ ሃገራውነት ዘይበፅሑ ‘ብሄር ብሄረሰብ’ ብዝብል ስነዖ ኣፀዋውዓ ተታሊሉ ትግራዋይ ነቲ ዝበፅሖ ብርኪ ስነ-ልቦናውን ፖለቲካውን ምዕባለ ከለማምድ መሬት መስዩዎ።

እነሆ ድማ ብመስዋእትነቱ ካብ ምልካዊ ናብ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ንምስግጋር ዝገበሮ ፃዕሪ እውን ክሕደት ገጢምዎ ድሕሪ ሰላሳ ዓመታት ንሃላዋቱ ዝፈታተን ከቢድ ሓደጋ ምፅናት ዘርኢ ተፈሪድዎ ኣሎ።  

በዓል ሞያ ምልላይ ሓድጊ እዮብ ካሕሱ ኣብዚ ሐዚ እዋን “ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተገበረ ቅሉዕ ወራር ብቀዳምነት ኣብ ልዕሊ ሓድግታት ስልጣነ ትግራይ ዘነፃፀረ ምዃኑ ህዝቢ ትግራይ እንተተኻኢሉ ንምፅናት እንተዘይኮይኑ ከዓ መንነት ኣልባ ብጥሜትን ዓፀቦን ዝተመናመነ ህዝቢ” ክኸውን ዝዓለመ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።  

ነቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተገበረ ወራር ስዒቡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተነበረ “ዕፅዋ ምኽንያት 6.5 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ናብ ጥሜትን ጠለብ ህፁፅ ሓገዝን” ከምዝተቓለዐ ተተካኢ ስራሕ ምሕካምን ክንክን ሕሙማትን ቢሮ ጥዕና ትግራይ ጠዓመ ዓረዶም ገሊፁ። ካብዚኦም እቶም ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ንከቢድ ጥሜትን ዓፀቦን ዝተቓልዑ ምዃኖም ፀብፃብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት የመላኽት።

ፕሮፌሰር ስነ-መዓዛ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣፈወርቂ ሙሉጌታ ዘካየዶ ውፅኢት መፅናዕቲ ከምዘመላኽቶ “መጠን ብከቢድ ሕፅረት ምግቢ ዝተጠቕዑ ትሕቲ 5 ዓመት ህፃናት ኣብ 2011/2012 ካብዝነበረ 1.3%” ድሕሪ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ቅሉዕ ወራር “ብ600% ዓብዩ ሎሚ ናብ 6.1%” ምድያቡ ሓቢሩ። ከም ኣገላልፃ ፕሮፌሰር ኣፈወርቂ እቲ ዓለምለኻዊ መለክዒ ሓደጋነት ከቢድ ሕፅረት ምግቢ 2% እናሃለወ ኣብ ትግራይ 6.1% በፂሑ ከብቅዕ ማሕበረሰብ ዓለም “ኣብ ልዕሊ ስነ-ኣእምሯውን ኣካላውን መፍረያይነት መፃኢ ወለዶ ናብ ከቢድ ሓደጋ ዘእተወ ፈተና ዕፅዋ ንምፍታሕ ስጉምቲ” ዘይምውሳዱ ከምዘግርመሉ ተዛሪቡ። 

መጠን ማእኸላይ ሕፅረት ምግቢ ኣብ 2011/2012 ካብዝነበረ 9.6% ሎሚ ናብ 30% ምዕባዩ ዘሻቐሎ ፕሮፌሰር ኣፈወርቂ እቲ ኣብ ህፃናትን ኣዴታትን ዝጀመረ መጠን ብሕፅረት ምግቢ ዝኽሰት ዘሎ ሞት ናብ ኣብዝሓ ህዝቢ ከይተዛመተ ማሕበረሰብ ዓለም ብኣየር ረዲኤት ብምክፍፋልን ብኻልኦት ብቅልጡፍ ናብቲ ዝጠመየ ህዝቢ ክበፅሕ ዝኽእል ሜላን ሓገዝ ከቕርብ ይምዕድ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝኣወጆ “ጥሜትን ፆታዊ ዓመፅን ከምመሳርሒ ኲናት ናይ ምጥቃም ፖሊሲ ትግራይ ሓደ ወለዶ ትስእን” ከምዘላ ዝሓበረ ተተካኢ ስራሕ ምሕካምን ክንክን ሕሙማትን ቢሮ ጥዕና ትግራይ ጠዓመ ዓረዶም ብሰንኪ ሕፅረት መድሓኒት ዝመውት ህዝቢ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ይውስኽ ምህላው ጠቒሱ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝተነበረ ዕፅዋ “ብብርኪ ክልል ቀረብ መድሓኒት ናብ ዜሮ” ምውራዱ ዝገለፀ ጠዓመ ብፍላይ ተሓከምቲ ሕዱር ሕማማትን “ፆታዊ ዓመፅ ዝበፀሐን ህፃናት፣ ንኡሳትን ኣዴታትን ኣብ ልዕሊ ስቓየን ብጥሜትን ስእነት መድሓኒትን ንሞት ይቃልዓ ኣለዋ” ክብል ኣይተ ጠዓመ ተዛሪቡ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ጉልባበን ቀሊዐን ፆታዊ ዓመፅ ከምዝበፀሐን ዝገለፃ 28 ሽሕ ዝበፅሓ እንትኾና ባህላዊ ፅዕንቶታት ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ኣሃዝ ኣብ ትግራይ ዝበፅሐ መጠን ፆታዊ ዓመፅ ዘይክገልፅ ይኽእል እዩ።   

እቲ ሎሚ ተፈጢሩ ዘሎ ጥሜትን ዓፀቦን ብተፈጥሯዊ ድርቂ ከይኮነስ ብሰብ-ሰራሕ ዕፅዋን ክባን ዝተፈጠረ ብምዃኑ ነቲ መግለፅታት ኣብ ምውፃእ ዝተሸኸለ ማሕበረሰብ ዓለም ከይተረፈ “ታሪኻዊ ተሓታትነት ዘሰከመ ሓደገኛ ኩነታት” ከምዝኾነ ፕሮፌሰር ኣፈወርቂ ሓቢሩ።    

ካብ ባዕልና ንመሃር

ወለድና “መምሃርን ኣይግበርካ መምሃርን ኣይኽላእኻ” ይብሉ። ናትና ብግልባጡ ካብ ታሪኽ ካልኦት ተመሳሳሊ ከይዲ ዝሓለፋ ዓድታት እሞ ይትረፍ ካብ ታሪኽና እኳስ ክንመሃር ኣይከኣልና። በብዒስራ ሰላሳ ዓመት ኣብ ቁስልና ጨው እናመለሱ ትግራይ ምዕናው ዘላቒ ፖሊሲኦም ጌሮም እንትወስዱ ብከቢድ መስዋእቲ ወራሮም ኣብ ምምካት ተሰፊና ኣብ ክንዲ ዘላቒ ፍታሕ ምንዳይ ስቕታ መሪፅና። ስለዚ ካብ ተሞክሮታት ካልኦት ተኸታታሊ ፈተነ ምፅናት ዘርኢ በፂሕዎም ዘላቒ መፍትሒ ዘናደዩ ህዝብታት ዓለም ምምሃር እንተዘይከኣልና ካብቲ ሎሚ ዝገጠመና ጥሜት፣ ፆታዊ ዓመፅ፣ ጅምላዊ ጨፍጫፍ፣ ወራር መንነታዊ ሓድግታትን ዕንወት መሰረተ-ልምዓትን ተማሂርና ነዚ በቢ20/30 ዓመታት ዝመላለሰና ዘሎ ፅንተታዊ ፈተና ዘላቒ መፍትሒ ክነናድየሉ ዕዮ ገዛ ዝህበና እዩ እቲ ሎሚ ኣብ ልዕሌና ዝወረደ ሰብ-ሰራሕ ማየ-ኣይህ።    

ነለሊ-ባህሪ ፀላኢ

ኣብዞም ትግራይን ተጋሩን መመሊሶም ናብ ዕንክሊል ዘእተው ተግባራት ገበትቲን ፋሽሽታውያንን ወረርቲ ትግራይ ምዕናው ከምፖሊሲ ሒዞምዎ ምዝላቖም ዘመላኽት ዘላቕነት ቅዋም ፅልኢት ትግራይን ተመሳሳልነት ሃቐነታት መንነታዊ ፅንታ ህዝቢ ትግራይን ኣብነታት ምጥቃስ ይከኣል።

ኣብ ሽዋ ስልጣን ዝበሓተ ኣካል ገበትቲ ሓይልታት ኩሉግዜ ናይ ትግራይ ኮር ስቴትነት ኣይጥዕሞን። ትግራይ ዝደልዩዋ ‘ናይ 3ሽሕ ዓመት ታሪኽ ኣለና’ ንምባል ዘኽእልዎም ቅሪታት ስልጣነ ይሓን ኣክሱምን ጥራሕ እምበር ህዝቢ ትግራይ ካብ ምህላው ዘይምህላው ከምዘኽስቦምን ሰብ-ታሪኽ ከምዝገብሮምን ብምሕሳብ በቢግዚኡ መንነታዊ ኲናት እናኸፈቱ ክሳብ እዛ ህሞት በፂሕና።

ስለዚ እዞም ገበትቲ ስልጣኖም ዝደላደል ኣብ ልዕሊ ድኽምቲ ትግራይ እዩ ዝብል ምንሊካዊ ሓቲት ሒዞም እናሻዕ ካብዝትኹትኹና ዓርስና ነውሕሰሉ ኣማራፂታት ንምንዳይ ንላዘበሉ ምችው እዋን ሐዚ እዩ።

ንነፅር-ሃፍተ-ገነታዊ ዓርሰ ምርኮሳ

ትግራይ ልዕሊ ቀለበት መንገዲ ኣዲስ ኣበባን ግድብ ኣባይን ኣብ ሓሸንገን ገረብ ግባን ኣብ ተከዘን ፃሌትን ምስራሕ ውሕስቲ ከምዝገብራ ብልቢ ብምእማን ዘለና ሃፍቲ ብምፍላይ ከመይ ናብ ውፅኢት ይቕየር ትሉም ብዝኾነ መልክዑ ብምውፋር ዘላቒ ውሕስና ኣብ ዝህብ ልምዓታዊ ምንቅስቓስ ክንነጥፍ ይግባእ።

ጎኒ ንጎኒ ድማ ኣብ ስነ-ልቦናዊ ህንፀትን ምርምር ጥንታዊ መዛግብትን ትግራይ ብምውፋር እታ ማእኸል ሃይማኖታውን ባህላውን ኣምራት ዝኾነት ሰረት ስልጡን ማሕበራሰባዊ ኣነባብራ ትግራይ መንነታዊ ክብራ ተዓቂቡ ክዘልቕ ክንሰርሕ ኣለና።

ንተግብር-ፖሊሲ ኢኮነሚ-

ትግራይ ዘለዋ ሃፍቲ ንተጋሩ እኹል እዩ ኢልና ክንኣምን ኣለና። እቲ ዘገድስ ከመይ ዝሓሸ ኣፍራይ ኣካይዳ ንከተል ዝብል ምጥባብ ዘድልዮ እዩ። ሓጋዚ ፕሮፌሰር ሳይንስ ፖለቲካ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መረሳ ፀሃየ ቅድሚ ሐዚ ንሬድዮ ድወት ኣብዝሃቦ ቃለ-መሕትት ኣብ ዓርሰ-ምርኮሳ ትግራይ ተኣማሚንና እዚ ታሪኻዊ መድረኽ ክንጥቀመሉ ይግባእ ክብል ገሊፁ ኔሩ።

ብተወሳኺ እውን ኢኮነሚ ትግራይ ዝምልከት ንብዙሓት ዘመናት ዝፀንሐ ፅግዕተኛ ኣተሓሳስባ ክስበር ከምዝግበኦ  እንትገልፅ “ዕዳጋ ኣብ ኣምሓራ ጥራሕ ኣይኮነን ዘሎ ኣብዚ ዘመነ ዓለማዊነት ዕዳጋ ናይ ሓባር እዩ ዘለካ ትህብ ዘድልየካ ትቕበል” ክብል ተዛሪቡ።

ሓጋዚ ፕሮፌሰር መረሳ “ፖሊሲ እዩ ዘዳኽይን ዘሀፍትምን ዓለምለኻዊ ተወዳዳራይነት ዘተባብዕ ጠንካራ ፖሊሲ ይሃልወና” እምበር ትግራይ ንባዕላ ጥራሕ ከይኮነስ ንኻሊእ ዝተርፍ ሃፍቲ ከምዘለዋ ሓቢሩ እዩ። 

ንዓቅብ-ወተሃደራዊ ዓርሰ-ምርኮሳ

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኻየደ ቅሉዕ ወራር ዘምህረና ኣብ ዓርሰ-ምክልኻል እንተዘይሰሪሕካ ኢኮነሚ ምህናፅ ትርጉም ከምዘይብሉ እዩ። እቲ ቃልሲ ካልኣይ ወያነ ምስኣዐወተ ብስም ምምጥጣን ሰራዊት ብሄር ብሄረሰባት ዓዲ ዓድኻ እቶ ዝተብሃለ ተጋዳላይ ትግራይ ተመሊሱ ብረት ኣውሪዱ እንጀርኡ ከዕቢ እንትወሳወስ ነባር ይኹን ሓዱሽ ወለዶ እውን ቅድመ-ምድላው ከይገበረ ዝተወለዐ ወራር ኢኮነሚ ትግራይ ንድሕሪት መሊስዎ።

ሎሚ ካብ ሕሉፍና ትምህርቲ ብምውሳድ ልዕሊ ኩሉ ንህንፀት ሰራዊትን ወተሃደራዊ ቴክኖሎጂን ቀዳምነት ሂብና ምስራሕ የድልየና። ሰራዊት ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብመትከላዊ መስዋእትነቱ ካብ ወረርቲ ሓይልታት ዝመንዘዖ ኣፅዋርን ወተሃደራዊ ቴክኖሎጂን ምስ ብቑዕ መሪሕነትን ውፍይነት መንእሰይ ትግራይን ተዋዲዱ መስተንክራዊ ዓወታትን ታሪኻዊ ምውርራስ ወተሃደራዊ ጥበብ ወለዶታትን ብዕውት ኣካይዳ ይውገን ኣሎ። እዚ ብዘመናት እኳ ንምህናፅ ዝኸብድ ወተሃደራዊ ድልዳለን ዓቕምን ሰራዊት ትግራይ ብዘላቒነት ብትምህርትን ወተሃደራዊ ቴክኖሎጂን ብምምዕባል ዳግም ናብ ከምዚ ዓይነት መንነታዊ ፈተና ከይንኣቱ ብዘተኣማምን መልክዑ ዝምክት ትካላውነት ምክልኻል ትግራይ ምትእትታው ከምዘድሊ ካብ ታሪኽና ንመሃር።