እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ፀጥታ ብዝለዓለ ቕልጣፈ ይለዋወጥ ምህላውን ድሕንነት ዜጋታት ኣብ ዝኸፍአ ብርኪ ምብፅሑን ሲዒቡ እዚ መምርሒ ከምዘውረደ ሓቢሩ።
ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዜጋታት ኢንግሊዝ ካብታ ሃገር ንምውፃእ ክዳለውን ናብ ኢትዮጵያ ንምጋሽ ዝሓሰቡ ድማ መደቦም ክስርዙን ወኪል መንግስቲ ኢንግሊዝ ኣብ አፍሪቃ ሚኒስትር ቪኪ ፎርድ ገሊፁ።።
ብተመሳሳሊ ዛምብያን ዩክሬንን፡ ዜጋታታተን ሕጂ ምስ ዘሎ ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ናብታ ሃገር ካብ ምጋሽ ክቑጠቡን ካብታ ሃገር ክወፁን ኣተሓሳሲበ ኣለዋ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽንያት እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ዛጊድ ሱዑዲ ዓረብ፣ ኲየት፣ ሩስያ፣ ኣመሪካን ኖርወይን ሓዊሱ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዜጋታተን ካብ ኢትዮጵያ ክወፁ ምፅውዐን ዝፍለጥ እዩ።
እዘን ሃገራት ነዚ መልእኽቲ መጠንቀቕታ ዘውፀኣ፡ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ንከባብታት ወሎ ተቖፃፂሩ ናብ ሰሜን ሽዋ ምፅግዑ ሲዒቡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣዋጅ እቶ እቶ ተግባራዊ ክኸውን ድሕሪ ምውሳኑ እዩ።
ከምኡ እውን ምስ ምትሓዝ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ተዛሚዱ እታ ሃገር ናብ ኲናት ሕድሕድ ክተምርሕ እያ ዝብል ሻቕሎት ብዙሓት ከምዝኾነ ይግለፅ።