ማሕበረሰብ ዓለም ብሽም ሉኣላውነት ንጉዳይ ኢትዮጵያ ስቕ ኢሉ ከምዘይሓልፎ ኣሊስ ዋሪሙ ንደሪቱ ገሊፃ።

ማሕበረሰብ ዓለም ድሕሪ ሐዚ ብሽም ልኣላውነት ኣብ ኢትዮጲያ ዘሎ ዝቕጽል ዘሎ ቅልውላውን ጭፍጫፍን ብስቕታ ከምዘይሓልፎ ፍሉይ ኣማኻሪት ምክልኻል ‘ጆኖሳይድ’ ሕቡራት ሃገራት ኣሊስ ዋሪሙ ንደሪቱ ኣፍሊጣ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላውን ግጭትን ናብ ከም ኬንያ፣ሶማሊያን ደቡብ ሱዳንን ናይ ምስፍሕፋሕ ባህሪ ዘለዎን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተጋደደ ዝከይድን ዘሎ እዩ ዝበለት እታ ፉሉይ ኣማካሪት ኩሎም ተጓነጽቲ ሓይልታት ኮፍ ኢሎም ክዛተዩ ግድን ከምዝኾነ ምስ ዶቾቬሊ ኣብ ዝነበራ ጻኒሒት ተዛሪባ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ምስ ኣሸባሪ ኢሉ ባዕሉ ምስ ዝበየኖ ህወሓት ተዳጋጋሚ ኣይዛተን ምባሉ ዘዘካኸረት እታ ፍሉይ ኣማካሪት መራሕቲ ኢትዮጲያን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን ግድን ኮፍ ኢሎም ክዛተዩ ከምዝግባእ ኣፍሊጣ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ተሸላማይ ናይ ሰላም ኖቤል ምኳኑ ክፍለጥ ኣለዎ። እዚ ኣብ ፍሉይ ቦታ ዘቀምጦ እዩ። “ድሕሪ ሐዚ ኣብ ሞት ክህልው ኣይግባእን፣ ኣብ እዛ ዓዲ ዝኾነ ክመውት የብሉን” ኢሉ ናብ ዘተ ክመጽእ ከምዝግባእ ተዛሪባ።

እዚ ምስ ዘይኸውን ግን ማሕበረሰብ ዓለም ብስም ለኣላውነት ተኣሲስሩ ኮፍ ከምዘይብልን ልኣላውነት ማለት ሓላፍነት( sovereignty is responsibility) ማለት ከምዘይኮነን ኣብሪሃ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ብማሕበረሰብ ዓለም ብተደጋጋሚ ዝቐረበሉ ጻዊዒት ሰላም እናነጸገን እቲ ዘካይዶ ዘሎ ጨፍጫፍን ኲናትን ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጲያን ምስ ልኣላውነት ከተሓሕዝ እናበለ ዝመጸ ምኳኑ ዝዝርሃከር እዩ።