ዕፅዋ ረዲኤትን ምዕናው ትካላት ጥዕናን ፆታዊ ዓመፅ ዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ክንክን ከይረኽባ ከምዝገበረ ሂዩማን ራይትስ ዎች ገሊፁ።

ሂዩማን ራይትስ ዎች ካብ ዝጅመር ዓመት ኣብ ዘቑፀረ ኲናት ትግራይ ብሰራዊታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሚሊሻ ኣምሓራን ጅምላዊ ቅትለት፣ ፆታዊ ዓመፅ ደቂ ኣንስትዮ፣ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ማእኸላት ስደተኛታት፣ ምዕናው ምህርትን ናውትን ሕርሻ፣ ትካላት ጥዕናን ኣብያተ ትምህርትን ሓዊሱ ዕንወት መሰረተ ልምዓት ሲቪሊያን ከምዘጋጠመ ሓቢሩ።

እዚ ምዕናው ትካላት ጥዕና ምስ ዕፅዋ ረዲኤት ተደሚሩ ፆታዊ ዓመፅ ዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ክንክን ከይረኽባ ከምዝገበረ ገሊፁ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ ሕጊ ዓለም ወፃኢ ንህዝቢ ትግራይ ኣዝዩ ተደላዪ ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ፣ ቀረብ መድሓኒትን ነዳድን ምኽልካልን ምኽሓድን መግለፂ ባህሪኡ ገይሩ ኣሎ።

ኣብ ልዕሊ ትካላት ረዲኤት ቪዛ ከይረኽቡን ኣድለይቲ ንብረታት ሒዙ ንኽኸይድ ፍቓድ ንምርካብን ክግመት ዘይኽእል ቢሮክራስ ኣንቢሩ።

ምንግልታዕ፣ መጥቃዕቲ፣ ምብራር ሰራሕተኛታት፣ ግልጋሎት ባንኪ፣ ኤሌክትሪሲቲን ቴሌኮሙኒኬሽንን ሓዊሱ ምዕፃው መሰረታዊ ግልጋሎት ንትግራይ ንምምብርካኽ ይጥቀመሎም ከምዘሎ ሂዩማን ራይትስዎች ኣብዘውፅኦ ፀብፃብ ኣመልኪቱ።

እቲ ፀብፃብ ብፍላይ ኮነ ተባሂሎም ክዓንው ዝተገበሩ ትካላት ጥዕና ግዳያት ፆታዊ ዓመፅ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ግልጋሎት ከይረኽባ ዝፈጥሮ ፅዕንቶ ኣስፊሩ ዩ።

ኣብ ትግራይ ስርዓት ጥዕና ኣዝዩ ብዘሕዝን መንገዲ ብምዕናው ፆታዊ ዓመፅ ዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ናይ ድሕረ-ዓመፅ ክንክንን ስነ-ኣእሙሮኣዊ ክትትልን ክረኽባ ከምዘይክኣላ ገሊፁ።

ካብ 6 ዓመት ጀሚሩ ክሳብ 80 በዓል ፀጋ ዕድመ ግዳይ ኣረሜናዊ ፆታዊ መጥቃዕቲ ከምዝኾና ዝሓበረ እዚ ፀብፃብ፣ ሰራዊታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓይልታት ሚሊሻ ኣምሓራን ትግራይ ሒዞሙሉ ኣብዝነበሩ እዋን ካብዘብፅሕዎ ዕንወት ብተወሳኺ ትካላት ጥዕና ንወተሃደራዊ መዓስከር ስለዝተጠቕሙሉ ሓገዝ ዝደልያ ደቂ ኣንስትዮ ደፊረን ክኸዳ ኣይከኣላን ይብል።

ኣብ ትግራይ ብዝተፈፀመ ወራር ምኽንያት ቅድሚ ወራር ካብዝነበረ ግልጋሎት ጥዕና 30% ከምዝዓነወ፣ 73% ከምዝተዘረፈ፣ 87% ካብ ኣገልግሎት ወፃኢ ከምዝኾነ ከምኡ ውን ኣብ ኣገልግሎት ካብ ዝነበራ 274 ኣምቡላንስ እተን 244 ከምዝተዘረፋ ኤም ኤስ ኤፍን ካልኦት ኣብ ትግራይ ይሰርሑ ዝነበሩ ትካላት ረዲኤት ምግላፆም ይዝከር።