እስራኤል ንስደተኛታት ተጋሩ ጊዚያዊ መንበሪ ቪዛ ድሕሪ ክህብ እየ ምባላ ርክብ መንግስቲ እስራኤልን መንግስቲ ኢትዮጲያን ከምዝሓርፈፈ ተገሊፁ።

ኣብ ኢትዮጲያ – ትግራይ ብዘሎ ኩናት ሳዕቤኑ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናተጋደደ ብምምፅኡ መንግስቲ እሰራኤል ካብ ትግራይ ንዝተሰደዱ ዜጋታት ጊዚያዊ መንበሪ ቪዛ ከምእትህብ ዕላዊ ጌራ ምንባራ ይፍለጥ።

ነዚ ስዒቡ እዉን መንግስቲ ኢትዮጲያ ምስ መንግስቲ እስራኤል ዝነበሮ ርክብ ከምዝሃሰሰ ቴህራን ታይምስ ኣቃሊዑ።

ነዚ በብእዋኑ ነቲ ባዕሉ ዘድፈሮ ሉኣላዉነት ሃገር ፀፀኒሑ ክሕደትን ዉርደትን ዝበፅሖ ዘሎ መንግስቲ ኣብዪ ህዝቢ ትግራይ መሊኡ ካብ ገፀ መሬት ንምጥፋእ ዘኽእሎ ዘመናዊ መሳርሒ ኩናት ዝምሕፀነን ዝነበራ ሃገራት ሓንቲ እስራኤል እዉን ገፃ ከምዘዞረትሉ እዩ ተሓቢሩ።

ብገስጋስ ሰራዊት ትግራይ ዝሰምበደ ኣብዪ ኣሕመድ ናይ ኣጥፊአ ክጠፍእ ዕላምኡ መፈፀሚ ኢሉ ዝሓሰቦም ኩሎም መንገድታት ይፀብዎ ከምዘለዉ ገለ ፖለቲከኛታት እናገለፁ እዮም።

ነዚ ስዒቡ እዉን ነታ ንመንግስቲ ኢትዮጲያ ሓገዝ ኣፅዋራት ለጊሳ እያ እናተብሃለት ትውቀስ እስራኤል ኩነታት ኣብዪ ተዒዚባ ኢዳ ምስኣንሰሓበት ርክብ ክልቲአን ሃገራት ከምዘህሰሶ እዩ ዝግለፅ ዘሎ።

ካብ ቱርኪ ቀፂሉ እስራኤል ንመንግስቲ ኢትዮጲያ ሓገዝ ኣፅዋር ትህብ ኣላ ነዚ ድማ ካብዚ ታሪካዊ ስሕተት ትቆጠብ ዝብል ወቐሳ ካብ ተጋሩ እናተቐበለት መፅያ እያ።

እስራኤላዉያን ብዝበፅሖም ፅንተት ከይተሰኮኑ ከምበሓዱሽ ተኣኻኺቦም ብፀላእታ ትፍራሕን ትኽበርን ዓዲ ድሕሪ ምምስራቶም ሐዚ ካብተን ብድሕንነተንን ብሳይነስን ቴክኖሎጅን ዝዓበያ ሃገራት ተርታ ተሰሪዓ ትርከብ።