ኣብ ኣሜሪካ ካሊፎርንያ መተኣኸቢ እቶት ልምዓት ትግራይ ተሳሊጡ።

ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ነታ ባህግታታ እናስፈሐት ኣብ መንገዲ ልምዓት ዝነበረት ትግራይ ዘብፅሕዎ ዕንወት ዳግም ንምህናፅ ኣብ ካሊፎርንያ – ሳንዲያጎ እቶት መተኣኻኸቢ መድረኽ ተሳሊጡ።

ትግራይ ብሰንኪ ፀላእቲ ብኹለ መዳይ ካብቲ ተሰጉሞ ዝነበረት ጎዳና ልምዓት ወፅያ ኣብ ዉድቀትን ጥምየትን ስለ ትርከብ ትግራይ ብትግራዋይ ዳግም ንምህናፅ ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዝተፈላለዩ እቶት መተኣኻኸቢ መድረኻት እናተሳለጡ ይርከቡ።

ካብኣቶም ሓደ ቅድሚ መዓልታት ኣብ ካሊፎርንያ ሳንዲያጎ ዝርከቡ ተጋሩ ንመበል ካልኣይ ጊዜ ንመሕወዪ ዓድን ንዝጠመየ ወገንን ዝዉዕል ገንዘብ ኣተኣኻኺቦም እዮም።

ኣብቲ ቦታ ዝተረኸቡ ተሳተፍቲ ከምዝበልዎ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ነዊሕን መሪርን እዩ ክበሃል ከሎ እቲ መሪር ዝብል ቃል ነቲ ሐዚ ትግራይን ህዝባን በፂሕዋ ዘሎ ክባን ፀበባን ዝገልፅ እንትኾን ነዊሕ ዝገብሮ ድማ ካብ ሐዚ ኣትሒዙ ክሳብ ትግራይ ትከሓስን ዳግም ትህነፅን ዘሎ ከይዲ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ድማ እዚ ንምግባር ናይ ኩሉ ትግራዋይ ሓላፍነት ስለዝኾነ ንሕና ተጋሩ ኣብ ጊዚያዉን ቀፃሊ ኣንፈትን ተደሪኽና ምድላዉ ክንገብር ይግባእ ኢሎም።

ትግራዋይ በዚሑ ኣይኮነን ዝበሉ እቶም ተሳተፍቲ እቲ ዝበፀሖ ግፍዕን ወፅዓን እዩ ኣሐሪኑ ተቓሊሱ ፀላእቲ ንምጥፋእ ብምዉፋሩ ክሳብ ሐዚ ጠጠዉ ኢሉ ዝኸይድ ዘሎ ; ስለዝኾነ እዉን ነቶም በጃ ህዝቦም ዝሓለፉ ሰማእታትና ዝሓደግዎ ሓደራ ናይ ምፍፃም ተልእኾ ድማ ናይ ዲያስፖራ ትግራይ ሓላፍነት ይኾን ክብሉ ኣብራሆም።

ካብኣቶም እዉን እቲ ዋና ጉዳይ ኣብ ህንፀት ትግራይ ትኹረት ምግባር እንትኾን ጎና ጎኒ ድማ ወለዶም ዝሰኣኑ ህፃናት ; ደቂ ስዉኣት ኣብ ምሕብሓብን ምቕፃልን ሓላፍነት ስለዘለና ግደና ክንዋፃእ ይግባእ ኢሎም።

ኣብ ኩለን ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ዲያስፖራ ትግራይ ኣብ ልዕሊ እታ መሰረት መንነቶም ዝኾነት ትግራይ ዝበፀሐ ኩለመዳይ ዕንወት ብዝሓሸ መልክዕ ዳግም ንምህናፅ ይረባረቡ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ብተመሳሳሊ ዜና ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝኽሪ ሰማእታት ምብራህ ሽምዓ ተኻይዱ።

ልዕሊ ሓደ ዓመት ዘቑፀረ ኩናት ትግራይ ምእንተ ክብርን መንነትን ህዝቢ ትግራይ ክብሉ እታ እንኮ ሂወቶም ዝገበሩ ሰማእታትን ብዘይ ዝኾነ ገበን ብመንነቶም ጥራይ ንዝሞቱ ተጋሩን ንምዝካር ምብራህ ሽምዓ ብተጋሩ ነበርቲ እስራኤል ተሳሊጡ።

ኣብቲ ቦታ ብርክት ዝበሉ ተጋሩ ዝተረኸቡ እንትኾን ምርኢት ሙዚቃ እዉን ኣካል ናይቲ መድረኽ ኔሩ።

እቶም ተሳተፍቲ ሕድሪ ሰማእታት ኣብ ምዕቃብን ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ ጥምየት ንምንጋፍን ኣድላዪ ዝበሃል ሓገዝ ከምዘበርክቱ ኣብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ትግራይ ነቲ ዝተፈረደላ ብድሆታት ፈንፂሓ ኣብ ዋግዋጎ ብርሃን ስለ ትርከብ ሙሉእ ዓወት ክሳብ ዝብሰር ዲያስፖራ ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ሓይሉ ክቃለስ ፃዉዒት ቀሪቡ።