ዓበይቲን ስሙያትን ስነ ጥበበኛታት ኤርትራዉያን ዝርከብዎ ብምንቅስቃስ ንብሩህ መፃኢ ኤረትራውያን ኣንፃር ስርዓት ኤርትራ “ህግደፍ” ዘቕነዐ መድረኽ ዘተ ኣካይዶም።
ኣብቲ መድረኽ ህዝባዊ ግምባር ፍትሓዊ ኣይኮነን ኢሎም ካብ መጀመርታ ተፋሊሞም ዝተሰዉኡ መቐፀልታ ምዃኖም ዝገለፁ እቶም ኣባላት ምንቅስቃስ ንብሩህ መፃኢ ኤረትራውያን ሐዚ እዉን እንተኾነ ስርዓት ህግደፍ ክሳብ ዝእለ ቃልሶም ከምዝቕፅሉ ኣብሪሆም።
ነዚ ፀረ ህዝቢ ዝኾነ ስርዓት ንኽጠፍእ ድማ ቅደም ቀዳድም እቲ ኣብ ርእሲ ኩሉ መንእሰይ ኤርትራ ዝተሰርሐ ፅልኢ ክንቀርፍ ይግበኣና ንሱ ምስ እነወግድ እዩ ቃልስና ዕዉት ዝኸዉን ኢሎም እቶም ኣባላት ምንቅስቃስ ንብሩህ መፃኢ ኤረትራውያን።
ስርዓት ህግደፍ እግሪ ካብ ዝተክል ኣትሒዙ ከም ሕብረተሰብ ወዲቕና ኢና ዝበሉ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ እዚ ሐዚ ኣብ ዓዲ ካልኦት ኮይንና ነካይዶ ዘለና መድረኽ ሓደ መርኢያ እዩ ብምባል ስለምንታይሲ ህዝባዊ ስርዓት ተዝህሉ ኔሩ ኣብተን ኣብ ዓድና ዘለዋ ኣዳራሻት ኮፍ ኢልና መተዛተና ኔርና ክብሉ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣባላት እቲ ሰልፊ ንቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ከምዝድግፉን ኣብ ጎኒ እቲ ህዝቢ ጠጠዉ ከምዝብሉ እዉን ምስክሮም ሂቦም።
ህዝቢ ትግራይ ብተፈጥርኡ ንወረርትን ንዓመፅትን ኢድ ዝህብ ኣይኮነን ዝበሉ እቶም ተሳተፍቲ ነዚ እዉን እዩ ነዚ ኩሉ ሓይሊ ዓማፅን ፀላኢን ደማሲሱ ኣብ ዓወት ዝርከብ ኢሎም።
ስለዝኾነ ድማ ንሕና እዉን ከምኣቶም ዝተወፃዕና ማሕበረሰብ ስለዝኾንና ካብ ወፅዓና ክሳብ ንናገፍ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ተሰሊፍና ድጋፍናን ድምፅናን ክነጋዉሕ ኢና ኢሎም።
ነዚ ስዒቡ ድማ ኩሎም ብሓደ ድምፂ ‘ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ረብሓና ካብ ኮነ ወፅዓ ህዝቢ ትግራይ እዉን ወፅዓና እዩ ‘ ዝብል ጭርሖ ብምግዋሕ ድምፆም ኣስሚዖም።
ካልእ ኣብቲ መድረኽ ምዝንጋዕ እዉን ዝተሳለጠ እንትኾን ብናይ ተጋሩ ድምፃዉያን ዝተሰርሑ ሙዚቃታት ገድሊ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ እናተሃደሱ ተራእዮም እዮም።
ቡዙሓት ኤርትራዉያን ብፍላይ ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዝርከቡ ኣብ ጎኒ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ጠጠዉ ብምባል ሞራላዉን ንዋታዉን ደገፍ እናገበሩ ዝመፁ ዘለዉ ዋላ እኳ እንተሃለው ብኣንፃሩ ድማ ምስ ስርዓት ህግደፍ ብምትሕብባር ኣንፃር ተጋሩ ዘቐንዐ ስለያን ጥቆማን ተሳተፍቲ ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ኤርትራዉያን ከምዘለው ይግለፅ።