ኣብ ህልዉ ኩነታት ኣመልኪቱ ፕሬዝደንት መንግስቲ ትግራይ ምስ ቴሌዥን ትግራይ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ዝሃቦ መግለፂ እዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ህዝባዊ ስለዝኾነ ድሕሪ ምዝዛም እዉን ህዝቢ ዝወሰኖ ንኽፍፀም ሪፈረንደም ከምዝካየድ ገሊፁ።
እቲ ዉሳነ ናይ ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ዝኾነ ባዕሉ ዝደለዮ ንኽመርፅ እቲ ዕድል ነቲ ህዝቢ ዝሕደግ እዩ ክብል እዉን ወሲኹ ተዛሪቡ።
እቲ ብ 1983 ዓ/ም ዝነበረ ኩነታትን መበገሲ እቲ ኩናትን በበይኑ ከምዝኾነን ሐዚ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ገበን ጆኖሳይድ ዝፈፀመ ኣካል ኣብ ዝኣተኻ ኣቲኻ ናይ ኢዱ ክረክብ ጌርካ፡ እቲ ዉሳነ ነቲ ህዝቢ ምሕዳግ ዋና ዓላማ መንግስቲ ትግራይ እዩ ኢሉ።
ካልእ ዉድብ ህወሓት ሓዊሱ ትሸዓተ ፖለቲካዉን ወታደራዉን ሓይልታት ኢትዮጲያ ብዝፈጥረኦ ግምባር እዉን እቲ ዋና ዕላማ ተሓባቢርካ ፀላኢ ንምዉዳቕ ዝዓለመ ከም ዝኾነ ዶ/ር ደብረፅዮን ሓቢሩ።
እቲ ኣብ ምዉዳቕ ደረጃ ዝበፀሐ መንግስቲ ኢትዮጲያ መሊእኻ ንምጥፋእን ናብ ታሓታትነት ንምቕራብን ከምኡዉን ብወታደራዉን ዲፕሎማሲያዉን መዳይ ንምምካት ህወሓት ምስ ተመሳሳሊ ድሌትን ዕላማን ዘለዎም ዉድባት ተጣሚሩ ዛጊድ ዉፂኢት ዘለዎም ጅማሮታት ከምዝበፀሐ ኣረዲኡ።
ብተወሳኺ እቲ ጥሙር ግምባር ብዝግባእ መበገሲ እቲ ኩናት ዝተገንዘበ ምዃኑ ዘብረሀ ዶ/ር ደብረፅዮን ዋና ዕላምኡ እቲ ዝነበረ ስርዓት ፌደራሊዝምን ሕገመንግስትን ዉድቂ ጌርካ ጨፍላቕን ኣሃዳዉን ዝኾነ ስርዓት ንምህናፅ ብምዃኑ እቲ ጥምረት ኣንፃር እዞም ሓሳባት ጠጠዉ ዝበለ ከምዝኾነ ሓቢሩ።
ካልእ ምስ ምፅጋዕ ሰራዊት ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተተሓሒዙ ህወሓት ዳግም ስልጣን ንምሓዝ እዩ ዝብል ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ኣብዪ ኣሕመድን መሰላቱን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከምዝኾነን ማእኸል መንግስቲ ትግራይ; ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ከምዝኾነ ክፍለጥ ይግባእ ኢሉ።
ኣብ መወዳእታ መንግስትን ሰራዊት ትግራይን ሐዚ እዉን እንተኾነ ንሰላምን ዘተን ቅሩብ ከምዝኾነን ልክዕ ከም መንግስቲ ኣብዪ ብጉልበት ከምዘይኣምንን ዘፍለጠ ዶ/ር ደብረፅዮን ቅዋምና ኣፍሊጥና ኢና ንሕና ብዲፕሎማሲ ; ፖለቲካዊ መፍትሕን ኢና ንኣምን ክብል ኣረጋጊፁ።