ኣብ ገበናት ኲናት ትግራይ ላዕለዋይ ኢድ ካብ መንጎ ዝነበሮም ሰበስልጣናት ኤርትራ ሓደ ዝኾነ ዋና ፀሓፊ ህግደፍ ኣልኣሚን መሓመድ ሲዒድ ከምዝሞተ ተገሊፁ።

ኣብ ፖሎቲካዊ ቤት ፅሕፈት ህግደፍ እዝዓበየ ስልጣን ዝነበሮ ኣልኣሚን መሓመድ ሲዒድ ብሕማም ትማሊ ኣብ መገሻ ሱዑዲ ዓረብ ከሎ ከምዝሞተ ተገሊፁ።

እቲ ሓላፊ ኣብ ሱዑዲ ዓረብ ንነህልዊ ኩነታት ኤርትራ ዝምልከት ህዝባዊ ሲሚናር እናካየደ ድሕሪ ምፅናሕ ብሕማም ናብ ሆስፒታል ድሕሪ ምእታው ህይወቱ ብኡ ንብኡ ከምዝሓለፈን ተፈሊጡ።

እዚ በዓል ስልጣን ኣብ ገበናት ኲናት ትግራይ ላዕለዋይ ኢድ ካብ መንጎ ዝነበሮም ሰበስልጣናት ኤርትራ ክኸውን ከሎ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ሚሒር ፅለኣት ከምዝነበሮ ይግለፅ።

ብተወሳኺ ካብቶም ንጉዳይ ኢትዮጵያ ስቕ ኢልና የእዳውና ኣጣሚርና ኣይንርእን፡ ኢትዮጵያ ኣይትብተንን ጥራይ ወያነ ናብ ስልጣን ክመፅእ የብሉን ብምባል ንምእታው ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ብቕሉዕ ካብ ዝተዛረቡ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኤርትራ ኣልኣሚን መሓመድ ሲዒድ ሓደ ምንባሩ ይዝከር።