መራሒ ሱልጣኔት ቢዱ ዓፋር፡ ሱልጣን ሻሚ መሓመድ ህዝቢ ዓፋር ኣንፃር መንግስቲ ኢትዮጵያ ክቃለስ ይግባእ ኢሉ።

መራሒ እቲ ኣብ መሬት ኤርትራን ኢትዮጵን ብስፍሓት ተዘርጊሑ ዝርከብ ዓሌት ዓፋር ሱልጣኔት ቢዱ ዓፋር፡ ሱልጣን ሻሚ መሓመድ ኣሓው ህዝቢ ዓፋር ኣንፃር መንግስቲ ኢትዮጵያ ቃልሱ ከጎሃህር ፀዊዑ።

ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት፡ ህዝቢ ዓፋር ከምሓደ ኮይኑ ንነብሱ ከመሓድር ኣብ ምግባር ህዝቢ ትግራይን መንግስቱን ዝለዓለ እጃም ከምዝተፃወተ ኣረዲኡ።

መራሒ ሱልጣኔት ቢዱ ዓፋር፡ ሱልጣን ሻሚ መሓመድ ኣሓው ኣንፃር ስርዓት ኢትዮጵያ ንምቅላስ ናብ ሜዳ ከምዝወረደ ገሊፁ።

ብምዃኑ እውን ህዝቢ ዓፋር፡ እውን ኣሰሩ ክስዕብን ቃልሱ ከጎሃህርን ምስቴሌቭዥን ትግራይ ኣብ ዝገበሮ ፃንሒት ሓቢሩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰራዊት ናፅነት ዓፋር ዕጥቃዊ ቃልሲ ጀሚሮም ኣንፃር ስርዓት ኢትዮጵያ ካብ መንጎ ዝቃለሱ ዘለው ተቓለስቲ ከምዝኾነ ይግለፅ።