እቲ ቅድሚ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ዝጀመረ ኲናት ሕድሕድ ብዙሓት ናብዚ ደረጃ ክበፅሕ እዩ ኢሎም ሓሲቦም ከምዘይፈልጡን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ሓፂር ጊዜ ከምዝውዳእ ቃል ኣትዩሉ ዝነበረ ከምዝኾነን ዘ ኢኮኖሚስት ሓቢሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስትን ህዝብን ትግራይ ወተሃደራዊ ወራር ፈፂሙ ንርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ድሕሪ ምቁፅፃር “ተዓዊተ እየ” ዋላ እኳ እንተበለ ሰራዊት ትግራይ ግን ሓይሉ ኣጠናኺሩ ናብ መጥቃዕቲ ከምዝተሰጋገረ ይሕብር።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ሰራዊት ትግራይ ገስጋሱ ብምቕፃል ኣብ ሓፂር ጊዜ ንከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ብምቁፅፃር ካብ ኣዲስ ኣበባ 250 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ከምዝበፅሑ ኣረዲኡ።
በዚ ዝሰምበደ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣዋጅ እቶ እቶ ድሕሪ ምእዋጅ ኩሉ ዜጋ ናብ ኲናት ንኽወፍር ከምዝፀወዐ ሓቢሩ።
ብመሰረት እዚ እታ ብደረጃ ኣፍሪቃ ብበዝሒ ህዝቢ ኣብ ካልኣይ ደረጃ እትስራዕ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዓውደ ኲናት ከይትቕየር ብምስጋእ ንኣሜሪካ ሓዊሱ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዜጋታተን ካብታ ሃገር ንኽወፁ ከምዝፀወዓ ዘ ኢኮኖሚስት ኣቃሊዑ።
ብምዃኑ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ብኣንፈት ምብራቕ ዓፋር መስመር ሚሌ ጂቡቲ ንምቑራፅ ዝንቀሳቐስ ዘሎ እንትኸውን ብካልእ ወገን ድማ ምስ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ብምዃን ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝወስዱ መገዲታት ንምዕፃው ይሰርሑ ከምዘለው ሓቢሩ።
ስለዝኾነ እውን በቲ ዓውደ ኲናት ተስፋ ዝቖረፁ አክቲቪስታት ኣምሓራ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢዶም ከወጣውጡ ከምዝጀመሩ እውን ኣቃሊዑ።
ዘ ኢኮኖሚስት ከምዝበሎ፡ ጀነራል ፃድቃን ምስ ከምዚ ዝበለ ገበነኛ ኣይንዛተን ኢሉ ንዝተዛረቦ ብምጥቃስ ሓይልታት እናደፍኡ ብዝኸዱ መጠን ናይ ምዝታይ ድልየቶም እናነከየ ከምዝኸደ ኣብሪሁ።