መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ፡ ሰዓት እቶ እቶ ኣዊጁ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ሓይልታት ምክልኻል ትግራይን ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞን ሰፋሕቲ ከባብታት ክልላት ኣምሓራ፣ ዓፋርን ኦሮምያን ብምቁፅፃር ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናተፀገዑ ምምፅኦም ዝፍለጥ እዩ።

ነዚ ሲዒቡ እውን ኣብ መላእ ክልል ኦሮሞያ ብምኽንያት ፀገም ፀጥታ ብዝብል ሰዓት እቶ እቶ ከምዝተኣወጀ ቡሉምበርግ ኣቃሊሑ።

እቲ ማዕኸን ዜና ንሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ኦሮምያ ኣዱኛ ኣሕመድ ብምጥቃስ ምሸት ካብ ስዓት 2:00 ክሳብ 11:30 ናይ ወጋሕታ ዝኾነ ይኹን ዜጋ ክንቀሳቐስን ኣብያተ ንግዱ ከይኸፍት ከምዝተኸልከለ ሓቢሩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ሰራዊት ትግራይን ሓይልታት ሓርነት ኦሮሞን ስሙር ግንባር ብምፍጣር ሰራዊት ኢትዮጵያ እናደምሰሱ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይፅግዑ ከምዘለው ብሉምበርግ ወሲኹ ገሊፁ።

ቅድም ኢሉ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ድሕሪ ግምባር ደሴ ብምፍራስ ንቕድሚት ብምግስጋሱ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣዋጅ እቶ እቶ ምድንጋጉ ዝዝከር እዩ።