ህዝባዊ መኸተ ትግራይ፡ ኣብ ፍትሓውን ሕጋዊን መስመር ሸኺሉ ንምእማኖም ዝኸብዱ ብድሆታት ፈንፂሑ ብኣንፀባረቕቲ ዓወታት ተፀንቢሉ ናብ ሓዱሽ መድረኽ ይሰጋገር ከምዘሎ ፕረዚዳንት መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ገሊፁ።
እቲ ብሽሾ ሰራዊት፡ ብኩምራ ሓፃውንን ብደብዳብ መሬትን ኣየርን ክምህ ክብል ዘይከኣለ ፅንዓትን ጅግንነትን ህዝቢ ትግራይ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ክባ ኣእትኻ ብድኽነትን ዓፀቦን ብምቕርቃር ተስፋ ክቖርፅን ናይ ቃልሲ ወንኡ ንምቕታልን ብትልሚ ክስረሓሉ ከምዝፀንሐ ሓቢሩ።
ኮይኑ ግና ኒሕን ፅንዓትን ህዝቢ ትግራይ፡ ስግር እዞም ብድሆታት ሓይሉ ንኹሎም ማሕለኻታት ስኑ ነኺሱን ተፀሚሙን እናሰገረ ንኹሎም ክባታት ይፍንፅሖም ከምዘሎ ዶክተር ደብረጽዮን ኣብ ፌስቡክ ገፁ ኣረዲኡ።
ብምዃኑ እውን ናይ መፈለምታን ናይ መወዳእታን ዕላማ ህዝባዊ መኸተ ድሕንነት፣ ህላወን ቀፃሊ ጉዕዞ ህዝቢ ትግራይ ብዘተኣማምን ኣገባብ ዉሑስ ምግባርን ከምዝኾነ ኣረጋጊፁ።
ብመሰረት እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተፅዓነ ክባ ሙሉእ ብሙሉእ ክሳብ እንፍንፅሖ ድሕንነት፡ ህላወን ቀፃሊ ጉዕዞ ህዝቢ ትግራይ ብዘተኣማምን መንገዲ ክሳብ ዝረጋገፅ ህዝባዊ መኸተ ተጠናኺሩ ክቕፅል ፀዊዑ።
ከምኡ እውን ብሄራዊ ዕላማና ሽትኡ ክሳብ ዝወቅዕ ሎሚ እውን ከም ወትሩ ኣብ ፍትሓውን ሕጋውን ዕላማ ከም ህዝቢ ረቢቡ ቃልሱ ከበርኽ ኣተሓሳሲቡ።