ጂቡቲ ብሰንኪ ቅልውላው ኲናት ኢትዮጵያ፡ 1.7 ቢልዮን ዶላር ከምዝኸሰረት ኣፍሊጣ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣታዊ እታ ሃገር ከምዝነከየን ናይ ስራሕ ዕድል ከምዝጠፈአን ንሚኒስትር ገንዘብ ጂቡቲ ኢልያስ ሙሳ ዳዋለህ ብምጥቃስ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ስለዝኾነ እውን ጂቡቲ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ጥራሕ ፍርቂ ሃፍቲ እታ ሃገር ማለት እውን ኣስታት 1.7 ቢልዮን ዶላር ከምዝሰኣነት ገሊፁ፡፡

ከምኡ እውን ብወራር ዕስለ ኣምበጣ፣ ኮቪድ -19ን ለውጢ ኩነታት ኣየርን ክፍተን ዝጸንሐ ንግዳዊ ሰንሰለት ኢትዮጵያን ጂቡቲን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ኲናት ተወሲኽዎ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝካየድ ዝነበረ ንግዳዊ ልውውጥ ናብ 20 ምኢታዊት ጥራሕ ከምዝወረደ ቢቢሲ ወሲኹ ኣቃሊሑ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 90 ምኢታዊት ቀረብ ብወደብ ጅቡቲ ኣቢሉ ዝኣቱ ክኸውን ከሎ
ካብዚ ድማ ጂቡቲ ካብ 1.5 ክሳብ 2 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከምእትረክብ ይግለፅ፡፡

ብተወሳኺ ኣብ መንጎአን ዝካየድ ንግዳዊ ርክብ ዘደንፍዕ ናይ ንግዲ መተሓላለፊ ንምስራሕ ቢልዮን ዶላራት ወፃኢ ዝገበራ እንትኾና፡ ኢትዮጵያ ብቐጥታ ንወደብ ጅቡቲ ዘራኽብ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ዝበፅሕ ናይ 470 ማይል መገዲ ባቡር ዋላ እኳ እንተተሃነፀ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ቀፂሉ ዘሎ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ እንተዘይተረኺቡ፡ እቲ ዝፈሰሰ መዋእለ ንዋይ ማይ ንማይ ከይተርፍ ሻቕሎት ብዙሓት እዩ።

ስለዝኾነ እውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብ መንጎ ትግራይን ኢትዮጵያን ዝቕፅል ዘሎ ኲናት፡ መዓልቦ እንተዘይረኺቡ ሃገረ ጂቡቲ ን 20 ዓመታት ክትሃንፆ ዝፀንሐት ቁጠባዊ ዕብየት ከዕንዎ ከምዝኸእል እውን ተገሊፁ፡፡