ገባቲ ሓይሊ ኣምሓራ ቋንቋን መንነትን ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ይሰርሕ ምህላው ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኣብ ልዕሊ መንነትን ክብርታትን ህዝቢ ትግራይ ክነግስ ዝብህግ ገባቲ ሓይሊ ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝተኣወጀ ፅንተታዊ ኲናት ዝተቖፃፀሮም ቦታታት ህዝቢ ቋንቁኡን መንነቱን ክቕይር የገድድዎን የፈናቕልዎን ምህላዎም ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ሓቢሩ።

በዓል ሞያ ቋንቋን ስነ-ፅሑፍን እቲ ቢሮ ኣይተ ብርሃኑ ገብረኪዳን “እቲ ብቋንቋ ዝግለፅ መንነት ንምጥፋእ ፈለማ ቋንቋ ትግርኛ ኣብምጥፋእ ብትኹረት ክሰርሑ ምፅነሖም ኣረዲኡ።
ገባቲ ሓይሊ ኣምሓራ ከባብታት ደቡብን ደቡባዊ ምብራቕን ትግራይ ኣብ ዝተቖፃፀረሉ እዋን መረዳድኢ ቋንቋን ቋንቋ ስራሕን ካብ ምቕያር ጀሚሩ ህዝቢ ትግራይ ብመንነቱ ምኽንያት ክቕተልን ክፈናቐልን ይሰርሑ ምንባሮም ገሊፁ።

ብሰራዊት ትግራይ ተሳዒሮም ክሳብ ዝወፁ “ኣብያተ ዕዩን ኣብያተ ትምህርትን ዞባ ደቡብ ትግራይ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ከገልግላ ፃዕርታት” ምግባሮም ኣይተ ብርሃኑ ኣፍሊጡ።

ነዚ መንነታዊ ዝምታ ከምእታወት ዘገልግሎም መፃሕፍቲ ተምሃሮ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ክዳሎ ብምግባር መንነት ትግራይ ንምህሳስ ክሰርሑ ምፅነሖም ተዛሪቡ።

ትግራዋይነት መምሀሪ መፃሕፍቲ፣ ሰነዳት መንግስቲ፣ መለለይ መንነትን ስም ትካላትን ብቋንቋ ኣምሓርኛ ብምቕያር ዝሃስስ ከምዘይኮነ ዝጠቐሰ እቲ በዓል ሞያ ህዝቢ ትግራይ መንነቱ ንምውሓስ ተዋዲዱ ክቃለስ ከምዝግባእ ኣይተ ብርሃኑ ገብረኪዳን ሓቢሩ።

ግዝያዊ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ወረዳ ራያ ኣላማጣ መምህር ሃፍቱ ዕቋር ብወገኑ ገባቲ ሓይሊ ኣምሓራ ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን “ኣስማት ኣብያተ ትምህርቲን መፃሕፍትን ናብ ኣምሓርኛ ብምቕያርን መረዳድኢ ቋንቋ ብሓይሊ ብምቕያርን መንነት ትግራይ ንምህሳስ” ይሰርሑ ምንባሮም ጠቒሱ።

መምህር ሃፍቱ ወሲኹ ህዝቢ ትግራይ ፈተናታት በዲሁ መንነቱ እናውሐሰ ዝመፀ ህዝቢ ብምዃኑ ነዞም ሓደጋታት መንነታዊ ፅንተት ተፃዊሩ ኣብ ብራኸ ዓወት ምብፅሑ መንነቱን ክብሩን ንምውሓስ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ከምዘሕብኖ ሓቢሩ።

ዋና ዳይሬክተር ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ዶ/ር ዳንኤል ተኹሉ ብወገኑ ወረርቲ ሓይልታት ኩለመዳያዊ ኲናት ኣዊጆም ኣካላዊ፣ ስነ-ልቦናዊን ንዋታዊን ሃሰያ መሰረት ጌሮም ይንቀሳቐሱ ምህላዎም ገሊፁ።

“ከምተጋሩ ብመንነትና ርእስና ክነድን እንተኽኢሎም ኣብ ትሕቲ ሳእኒ እግሮም ጌሮም ከምድላዮም ክገብሩ ካብ ውሽጥን ደገን ብመብረ ተሓጋጊዞም መንነትና ኣሕሊፍና ክንህብ” ዝገብርዎ ምዃኑ ዶ/ር ዳንኤል ሓቢሩ።

“ብ1948 ዓ.ም ቋንቋታት ብሄር ብሄረሰባት ተጨፍሊቑ ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ቋንቋ ሓደ ባህሊ ክህሉ ዝረቐቐ ኣዋጅ ከምዘሎ ኣብቲ ታሪኽ ዝዓቖረልና ሰነድ ንምልከት ኢና” ክብል እቲ ዋና ዳይሬክተር ተዛሪቡ።

ኩለን ቋንቋታት ብሄር ብሄረሰባት ጠፊአን ብኣምሓርኛ ክወሓጣ ሰፋሕቲ መንግስታዊን ጉጅላውን ጎስጓሳት ክካየዱ ምፅነሖም ዝዘከረ ዶ/ር ዳንኤል “ውጥም ቅልቅል እናበለ ፀኒሑስ ዳሕራይ ትኽክለኛ ባይታ ረኺብና ኢሎም ኣብ ዝሓሰብሉ 2013 ዓ.ም ዘራይ ፀዊዖም” ከምዝጀመርዎ ኣብሪሁ።

ሃገራውን ክልላዊን ሕገ-መንግስቲ ብዘፅነዖ መሰል ትግራዋይ ብቋንቁኡ ክጥቀምን ከማዕብልን ከምዝፀነሐ ዝጠቐሰ ዶ/ር ዳንኤል ተኹሉ “ቋንቋ ኣዶ መሰረት ዝገበረ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ክንክተል ፀኒሕና” ኢሉ።

ትግርኛ ከምዓይነት ትምህርትን ከምመሳለጢ ትምህርትን ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ምፅንሑ ብምግላፅ ኣብ ብሄረሰብ ኢሮብን ኩናማን እውን ክሳብ ዝተወሰኑ ክፍልታት ብቋንቁኦም ክመሃሩ ክስረሐሉ ከምዝፀንሐ ኣረዲኡ።

ኣብ ዞባታት ምዕራብ፣ ሰሜናዊ ምዕራብን ደቡብን ወረርቲ ሓይልታት ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ብኣምሓርኛ ንምግባር ፀቕጥታት እናገበሩ ከምዝፀንሑ ብምጥቃስ ኣካል ምብራስ መንነት ከምዝኾነ ጠቒሱ።

ካብዚ ብተወሳኺ መለለዪ መንነት እውን ብኣምሓርኛ እናተዓደለ ምፅንሑ እዞም ገበትቲ ሓይልታት ህዝቢ ትግራይ ካብ መሰረቱ ንምምሓው ዘለዎም ባህጊ ዘመላኽት ከምዝኾነ እውን ዶ/ር ዳንኤል ሓቢሩ።

ኣብ ልዕሊ ብሄረሰባት ኢሮብን ኩናማን እውን ከቢድ ሓደጋ መንነታዊ ብርሰት ከምዝበፅሖም ዶ/ር ዳንኤል ኣረዲኡ።

ኣብቶም ክሳብ ሐዚ ሓራ ዘይወፁ ከባብታት ትግራይ ህዝቢ ብመንነቱ ክሹቕረርን ናብቲ ንሳቶም ዘንፀፍሉ መንነት ንኽኣቱ ይሰርሑሉ ከምዘለው ዋና ዳይሬክተር ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ዶ/ር ዳንኤል ተኹሉ ኣፍሊጡ።

ህዝቢ ትግራይ መግለፂ መንነቱ ዝኾኑ ክብርታት ዝተዓቀቡሉ መንገዲ ብቋንቋ ስለዝግለፅ ቋንቁኡን መንነቱን ንምውሓስ ሰሚሩ ክቃለስ ከምዝግባእ ዶ/ር ዳንኤል ተኹሉ ኣስሚሩሉ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን እውን ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ብትግራዋይነቱ ጥራሕ ኣብ ከቢድ ሓደጋ መንነታዊ ፅንታ ከምዝርከብ ዝጠቐሰ በዓል ሞያ ቋንቋን ስነ-ፅሑፍን ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣይተ ብርሃኑ ገብረኪዳን ህዝቢ ትግራይ መንነታዊን ግዝኣታዊ ሓድነቱን ንምውሓስ ብትሪ ክቃለስ ፀዊዑ።