ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ግልጋሎት ባንኪ ብምቁራፅ ዝውውር ጥረ ገንዘብ ትግራይ ብምዕፃውን ሃፍቲ ተጋሩ ብምውራርን ህዝቢ ትግራይ ብምፅናት ንምልካዊ ስርዓት ኣብዪ ኣሕመድ መጋበርያነቱ ብተግባር ከምዘመስከረ ተሓቢሩ።
ምክትል ኣቦ-ወንበር ቦርድ ትካል ሕብረት ስራሕ ማሕበር ዕቋርን ልቓሕን መሓዙት ኣይተ መብራህቱ ሃይላይ ዝውውር ገንዘብ ብባንኪ ኣብ ዝኾነሉ ኩነታት ባንኪ ምዕፃው ማለት ህዝቢ ናይ ምፅናት ፍርዲ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።
ኣብ ትሑት ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ዝርከብ ክፋል ሕብረተሰብ ነንባዕሉ ተደጋጊፉ ንኽዓቢ ዓሊሞም ይሰርሑ ምፅንሖም ዝገለፀ ኣይተ መብራህቱ ዝውውር ገንዘብ ብባንኪ ይካየድ ብምፅንሑ ብሰንኪ ጥሜት ኣብ ኣፍ-ሞት ዝርከብ ሕብረተሰብ ዝዓቖሮ ገንዘብ ክጥቀመሉ ዘይምኽኣሉ ከምዘሕዘኖ ኣይተ መብራህቱ ሓቢሩ።
ስርዓት ኢኮነሚን ዝውውር ገንዘብን ብሳይንሳዊ ሜላ ንምቕናይ ዝተጣየሸ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዝተመስረተሉ ዕላማ ብምግዳፍ ትካላት ፋይናንስ ትግራይ ብምዕፃው መጋበርያነት እቲ ምልካዊ ስርዓት ብተግባር ከምዘመስከረ እውን ምክትል ኣቦ-ወንበር ቦርድ ትካል ሕብረት ስራሕ ማሕበር ዕቋርን ልቓሕን መሓዙት ኣይተ መብራህቱ ሃይላይ ገሊፁ።
ዋና ፀሓፊ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን መቐለ ኣይተ በርሀ ኣርከበ ብወገኑ እቲ ሃገራዊ ባንኪ ተለቂሖም ኣብ ዝተፈላለዩ ንግዳዊ ምንቅስቓሳት ክዋፈሩ ዝፀንሑ ተጋሩ ሃፍቶም ብወረርቲ ሓይልታት ብምዝራፉ ኣብ ክንዲ ካሕሳ ኣብ ባንኪ ዝነበሮም ገንዘብ ይወርስ ምህላው ሓቢሩ።
ተጋሩ ነጋዶ ሃፍቲ-ንብረቶም ብገባቲ ሓይሊ ኣምሓራ፣ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምዕናው ዝበፀሖም በደል ከይኣክል ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ባንክታት ዝነበሮም ገንዘብ ብኢደ-ወነኑ ምውራሱ ስልጣኑ ንፖለቲካዊ ሃልኪ የውዕሎ ከምዘሎ ዋና ፀሓፊ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን መቐለ ኣይተ በርሀ ኣርከበ ጠቒሱ።
እዚ ተግባር ኣካል እቲ ተጋሩ ናይ ምስኳን ወፍሪ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ህዝቢ ትግራይ ብዝተዋደደ ቃልሲ ውሕስንኡ ዘረጋግፀሉ መስርሕ ምፍጣር ብሕታዊ ኣማራፂ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።