ረብሓ ትግራይ ንምውሓስ ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእ ዝተደረኸ ንፅረት ምፍጣር ከምዘድሊ ተገሊፁ።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ጀኖሳይድ ብቕልፅምና ብዝብል ጭርሖ ጥራሕ ክፍታሕ ከምዘይኽእል ዝገለፁ ወሃብቲ ርኢቶ…

ብውሑዳት ነጋዶ ዝግናሕ ልዑል ናህሪ ዋጋ ኣእኻል ዓቕሚ ምዕዳግ ሕብረተሰብ ከምዘዳኸሞ ነበርቲ ከተማ መቐለ ገሊፆም።

ጣፍ ንምዕዳግ ናብ ዕዳጋ ቀዳማይ ወያነ ዘምረሐት ወይዘሮ ሄለን ገብረሂወት “ድሕሪ ጥቅምቲ ናብዚ ዕዳጋስለዘይመፃኹ ጣፍ በዚ…

ብፖለቲካዊ ዘተ ዘላቒ ሰላም ክመፅእ ስለዘይኽእል፡ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ምውሓስ ብቐዳምነት ክስረሐሉ መድረኽ ናፅነት ትግራይ ፀዊዑ።

መንግስቲ ትግራይን ኢትዮጵያን ዘካይድዎ ድርድር ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ኣብ ዘይተኸበረሉን ተጋሩ ምዕራብ ትግራይ ብወረርቲ ኣብ ዝጭፍጨፉሉን…

መንነታዊ ዘላቕነትን ታሪኻዊ ግዝኣትን ትግራይ ንምውሓስ ፖለቲካዊ ውድባት ብስምረት ክሰርሓ ማሕበር ምምላስ መንነትን መሬትን ትግራይ ፀዊዓ።

ትግራይ ምእንተ ኢትዮጵያ ክበሃል ታሪኻዊ ግዝኣታዊ ሓድነታ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ከምዝፀነሐ ብምሕባር ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ድርድር…

ገለ ተመዛበልቲ ከተማ መቐለ ዝወረደና ፀገም ልዕሊ እዚ ክንፃወሮ ኣይንኽእልን ኢሎም።

ኣብ ማእኸላት መዕቖቢ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ብሰንኪ ጥሜትን ሕማምን ንሞት ይቃልዑ ከምዘለው ገሊፆም። መተሓባባሪት መዕቖቢ…

ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ዘላቒ መፍትሒ ዘይምርካቡ ከምዘተሓሳሰቦም ተመዛበልቲ ተዛሪቦም።

ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ጉዳይ ምዕራብ ትግራይ ቀንዲ ኣጀንዳ ንሰብኣዊነት ዝግደስ ሰብ ክኸውን እናተገበኦ ይርሳዕ…

“ገዛይ ተመሊሰ ሰሪሐ ደቀይ ዝዕንግለሉ መዓልቲ ክመፅእ ዶ ይኸውን?”

ወይዘሮ ህንፃ ገብረመድህን ኣብ ወረዳ ፀገዴ ነባሪት ከተማ ዳንሻ ብንግዲ፣ ሕርሻን ምርባሕ እንስሳን መነባብሮኣ ክትመርሕር ዝፀነሐት…

ሃገርነት ትግራይ ንምግሃድ ስምረት ሃገርነት ዕላማ ዝገበሩ ምንቅስቓሳት ከምዘድሊ መድረኽ ናፅነት ትግራይ ኣተሓሳሲቡ።

መድረኽ ናፅነት ትግራይ 23 ሓምለ 2014 ዓ.ም ግእዝ ኣብ ዘሳለጦ ምይይጥ ንማዕርነታዊ ሓድነት ዝሰርሕ ውድብ ዝመርሖ…

“ተጋሩ ወርቀይን ኣቕሓይን ከይበልኩም ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲን 3 ሰዓትን ውፁ”

ቀሺ ብርሃነ ታደለ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ናብራ መስሪቶም ጉጂ ቀሊሶም ን25 ዓመታት ኣብ ወረዳ ቃፍታ…

ኣብ ዝበዝሕ ክፋል ትግራይ ንዕቤት ዝራእቲ ምችው ዝርገሐ ዝናብ ክራማት ምህላው ተሓቢሩ።

ኣብ መብዛሕትኡ ከባብታት ትግራይ ዝናብ ዘንጊዑ ዝጀመረ እኳ እንተኾነ ንዕቤት ዝራእቲ ምችው ዝኾነ ዝርገሐ ከምዘለዎ ቢሮ…

ህፃናት ትግራይ ስሩዕ ክታበት ብዘይምርካቦም ወሎዶዊ ዘላቕነት ኣብ ሓደጋ ምውዳቑ ተሓቢሩ።

ህፃናት ትግራይ ንክልተ ዓመት ግልጋሎት ስሩዕ ክታበት ብዘይምርካቦም ወለዶኣዊ ዘላቕነት ህዝቢ ትግራይ ንሓደጋ ከምዝተቓለዐ ተገሊፁ። ኣብ…

ኣብ ትግራይ 671 ሓናጡ ብስእነት ሕክምናዊ ግልጋሎት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ።

ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ 2014 ዓ.ም ሪፖርት ካብ ዝገበራ ትካላት ጥዕና ብመሰረት ዝተረኸበ…

ስእነት መድሓኒትን መሳርሒ ምርመራን ዝተላመደ ሕማም ቲቪ ቅልውላው ጥዕና ከምዘስዐበ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ሓቢሩ።

ኣብ ትግራይ 87 ሚእታዊ ትካላት ጥዕና ሕማም ቲቪ ንምምርማር ዘኽእል መሳርሒ ከምዘይብለን ብምጥቃስ ምልባዕ ሕማም ቲቪ…

ሓረስታይ ትግራይ እታወታት ሕርሻ ብዘይምርካቡ 50 ሚእታዊ ምንካይ ምህርቲ ከጋጥሞ ከምዝኽእል ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ገጠርን ትግራይ ኣጠንቂቑ።

ሰብሰራሕ ዕፅዋን ክባን ከምመሳርሒ ኲናት ዝጥቀም ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ እታወታት ሕርሻ ንትግራይ ፈልዩ ምኽልካሉ ሰብኣዊ ቅልውላው…

ናብ ትግራይ ካብ ዝበፅሐ ሰብኣዊ ሓገዝ 92 ሚእታዊ ናብ ወረዳታት ምክፍፋሉ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ገጠርን ትግራይ ኣፍሊጡ።

ይኹን እምበር 6.5 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዑል ብርኪ ጥሜትን ዓፀቦን ብምውዳቑ ኣብ ህፁፅ እዋናዊ ሓገዝ…

ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ዝተመርመሩ እቶም 30% ቫይረስ ኮሮና ተረኺብዎም።

ብብርኪ ዓለም ካብ ዝተመርመሩ ሰባት እቶም 16% ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኸቦም ዝሓበረ ቢሮ ጥዕና ኣብ መቐለ ብኣንፃሩ…

ምልባዕ ለበዳ ሕማም ዓሶ ትግራይ ልዕሊ ዓቕሙ ስለዝኾነ ዓለምለኻዊ ትካላት እዋናዊ ግብረመልሲ ክህባ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣተሓሳሲቡ።

መድሓኒትን መመርመሪ መሳርሒን ብዘይምህላው ነቲ ለበዳ ንምቁፅፃር ዘኽእል ስጉምቲ ከምዘይወሰደ ዝገለፀ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣብ ትግራይ…

ቃልሲ ወለዶታት ትግራይ ብዘላቒ ፍታሕ ብሄረ-ሃገርነት ንምኽንባት ሓሳብ ዘቐድም መስርሕ ፖለቲካ ምትእትታው ከምዘድሊ ተሓቢሩ።

ሃገረ ትግራይ ንኸይንምስርት መመኽነይታ ዝኾኑ ዘለው ዘይፀረዩ ፍርሕታትን ሽርሕታትን ብዝብል ርእሲ ዝተኻየደ ዋዕላ መድረኽ ናፅነት ትግራይ…

ሕርሻዊ ዓርሰ-ምርኮሳ ምህርቲ ኣብ ዝሕፈሰሉ ወቕቲ ኲናት ብምጅማሩ ህዝቢ ንከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ከምዘቃለዖ ተሓቢሩ።

ብሰንኪ ፖሊሲ ኩለመዳይ ዕፅዋ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀረብ ዘመናዊ ዱኽዒን ምሩፅ ዘርኢን ምርካብ ስለዘይተኽኣለ ቅልውላው ትግራይ ክናዋሕ…

ባህግና ብሰላማዊ ዘተ ነረጋግፀሉ ዕድል እንተሃልዩ ክንጥቀም ኢና ክብል ኣባል ማእኸላይ ኮማንድ ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ተዛሪቡ።

ይኹን እምበር መንግስቲ ኤርትራ ዝተወጠነ ሰላማዊ ድርድር ንምትዕንቓፍ መሬት ትግራይ ጎቢጡ ተወሳኺ ወተሃደራዊ ትንኮሳ የካይድ ምህላው…