ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ነጋዶ ዝበፅሕ ዘሎ ኣብ መንነት ዝተደረኸ ፅንታ ከምዘተሓሳሰቦ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን መቐለ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን መዳርግቱን ኣንፃር ትግራይ ዝወልዕዎ ወራር ሃፍቲ ትግራይ ብስርዓታዊን ትሉምን ሜላ ምብራሶም ዝሓበረ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን መቐለ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር ዝነበሩ ሰብ-ሃፍትን ነጋዶን ብምኽንያት መንነቶም ይእሰሩን ይቕተሉን ምህላዎም ከምዘተሓሳሰቦ ኣፍሊጡ።

ገባቲ ሓይሊ ኣምሓራ፣ ሰራዊት ኤርትራን ሰራዊት ኢትዮጵያን ትካላት ንግድን ፋብሪካታትን ትግራይ ካብ ምዕናው ብተወሳኺ ብዙሓት ነጋዶን ሰብ-ሃፍትን እናሃደኑ ከምዝቐተሉ ዋና ፀሓፊ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን መቐለ ኣይተ በርሀ ኣርከበ ተዛሪቡ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝርከቡ ሰብ-ሃፍትን ነጋዶን ብትግራዋይነቶም እናተቐተሉ ሃፍቶም ይውረር ከምዘሎ ኣይተ በርሀ ገሊፁ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ትግራዋይ መንነት ከምገበን ኣብ ዝቑፀረሉ ስርዓታዊን ስልታዊን ፅንታ ዝተፀመደ መንግስቲ ኢትዮጵያ ትካላት ንግዲ ተጋሩ ብምዕፃውን ብምውራርን ኣብ ትግራይ ዝጀመሮ ምፅናት ህዝቢ ኣጠናኺሩ ይቕፅለሉ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

“ትግራዋይ ብፖለቲካውን ኢኮነሚያዊን ምንቅስቓሱ ዝመኸነ ድኹም ተፀባዪ ህዝቢ ብምግባር የማነ-ፀጋም ዝጥጥዕ ዘሎ ሕልሞም ንምዕዋት ፀላእቲ ይረባረቡ ኣለው” ዝበለ ዋና ፀሓፊ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን መቐለ ኣይተ በርሀ ኣርከበ ህዝቢ ትግራይ ሃላዋቱ ንምውሓስ ዝጀመሮ መኸተ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ኣተሓሳሲቡ።

ንግዲ ሰላማዊ ሃዋህው ከምዝደሊ ዝሓበረ ኣይተ በርሀ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝፍፀሙ ዘለው ግፍዕታት ብዘተኣማምን መልክዑ ምክልኻል ቀዳምነት ብምሃብ ኣንፃር ህልውና ተጋሩ ንዘቕነዐ ወራር ብህዝባዊ ቃልሲ ኣብ ምምካት ቀዳምነት ሂቡ ይሰርሕ ምህላው ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን መቐለ ሓቢሩ።