ነበር ሚኒስትር ገንዘብ ሱዳን፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ኮይኑ ከምዝምዘዝ ተገሊፁ።

ነበር ሚኒስትር ገንዘብ ሱዳን፡ ኢብራሂም ኣልባደዊ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ከምዘዝ ማዕኸናት ዜና ይፅብፅባ ኣለዋ።

ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ኣብዱል ፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ንነበር ሚኒስተር ገንዘብ ሱዳን ኢብራሂም ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ንክኸውን ዕላዊ ሕቶ ከምዘቕረበሉ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ኢብራሂም፡ ምስ ምምፃእ ዓብደላ ሓምዶክ ተዛሚዱ ሚኒስትር ገንዘብ ሱዳን ኮይኑ ክሳብ 2020 ዘገልገለ ክኸውን ከሎ ኣብ ከም በዓል ባንኪ ዓለምን ካልኦት ትካላት ፋይናንስ በዓል ሞያ ኮይኑ ዝሰርሐ በዓል ውህሉል ተሞክሮ ከምዝኾነ ይግለፅ።

ብተወሳኺ ብ2005 ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም፡ ኣብ ዳግመ ህንፀት ሱዳን ማሕበረሰብ ዓለም ናይ ምትሕብባር፣ ከምኡ እውን ኣብ ዱባይ ዳይሬክተር ማእከል ምርምር ካውንስልን ምርምርን ቁጠባ ኮይኑ ከምዝሰርሐ ተሓቢሩ።

ሚኒስትር ኢብራሂም፡ ብ1978 ኣብ ካርቱም ዩኒቨርሲቲ ብስነ ቁጠባ፣ ቀፂሉ ኣብ ዩኒቨርስቲ ሰሜን ካሮላይንን ኣሜሪካን ካብ ካብ ካልኣይ ዲግሪ ክሳብ ዶክትሬት ብስነ ቁጠባን ስታስቲክስን ከምዝተመረቐ ተሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዓብደላ ሓምዶክ ብዘይምቅዳው ብገዛእ ድልየቱ ካብ ሚኒስተር ገንዘብ መዝነቱ ከምዝወረደ ዝፍለጥ እዩ።