ኣብ ትግራይ ክትባት ሕማም ንፍዮ ከምዝተጀመረ ተገሊፁ።

ትካል ዓለም ለኸ መድሕን ዩኒሴፍን ተሓጋገዝቶምን ኣብ ትግራይ ክትባት ሕማም ንፍዮ ከምዝጀመሩ መርበብ ሓበሬታ ኣል ዐይን ኣፍሊጡ።

እቶም ትካላት ክሳብ ሕጂ ኣብ ትግራይ ዘካየድዎም ግልጋሎት ክትባት ሕማም ንፍዮ ን ልዕሊ 850 ሽሕ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ንዝኾኑ ናይቲ ክልል ህፃናት ከምዝሃቡ ኣፍሊጦም።

ኣብ ትግራይ በቲ ብስርዓት ኢትዮጲያ ኮነ ተባሂሉ ዝተገበረ ዕፅዋ ብርክት ዝበሉ ህፃናት ብሰኣን ቀረብ መድሓኒት ሂወቶም ክቕፅል ከምዘይከኣለ ሰብ ሞያ ሕክምና ብተደጋጋሚ እናገለፁ መፅዮም እዮም።

መረዳእታ ኮምፕርሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደርን ሆስፒታል መቐለን ቅድም ኢሉ ኣብ ብሰራሕተኛታቶም ኣቢሎም ኣብ ዘዉፅእዎ ቡዙሓት ህፃናት ብሰኣን ምግቢ ናብ ሕክምና መፅዮም ክድሕኑ ዘይከኣሉ ምንባሮም ከምዝጠቐሰ ይፍለጥ።

ፀብፃብ ኦቻ ብወገኑ ኣብቲ ናይ ቀረባ ሰሙናት ፀብፃቡ ኣብ ትግራይ ብዘሎ ሕፅረት ምግብን ስነ መኣዛን ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ህፃናት ዓብዪ ፅልዋ ይፈጥር ምህላዉን በቢመዓልቱ ህፃናት ይሞቱ ኣለዉን ክብል እናቃለዐ ምፅንሑ ይዝከር።

እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ሰብ ሰራሕ ጥምየትን ሕፅረት መድሓኒትን ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ህልውና ዘእተዎ እንትኾን ብፍላይ ግን ኣብ ነብሰ ፁራት ኣዴታታትን ህፃዉንትን ግን እቲ ዝዓበየ ሓደጋ ኮይኑ ከምዘሎ ይግለፅ።