ሰራዊት ትግራይ ኣገደስቲ ምምዕርራያት ዛዚሙ ናብ ፍሉይ ልእኹቶ ድሉዉ ከም ዝኾነ ኣዘዝቱ ገሊጾም።

ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ወዲ ወረደ ንሰራዊት ትግራይ ኣብ ዘሕፉዎ መልእኽቲ ፤ እዚ ዞባ ህዝቢ ትግራይ ብቐላጽሙ ጥራሕ ተኸቢሩ ዝነብረሉ ከባቢ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኣብዚ ድሕሪ 30 ዓመታት ገጢሙ ዘሎ ዓሌት ትግራይ ንምጽናት ዝተኸፍተ ኩናት ገጢሙ ዘመዝገቦ መዘና ዘይርከቦ ዓወት ዝያዳ ከም ዝሕይል ተዛሪቡ።

ሰላም ትግራይ ብምውሓስ ጥራሕ ዝርከብ ሰላም የለን ዝበሉ ጀነራል ታደሰ ካብኡ ዝተፈልየ ስርሒት ከም ዝህሉ ኣነጺሩ።

ነዚ ጸላኢ ከም ንውድኦ ምንም ጥርጥር የብልናን ብምባል ዝቕጽል ወተሃደራዊ ስርሒት ካብቲ ናይ ዓሚ ሰነ ብሽም ጅግና ጀነራል ኣሉላ ኣባ ነጋ ዝተፈጸመ ስርሒት ዝሓየለ ከም ዝኸውን ኣረጋጊጹ።

ጀነራል ዮሐንስ ወልጊዮርጊስ ጆን መዲድ ብግዲኡ መሬት ትግራይ ንዝገበተ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣጠንቂቑ። ኣብ ዶባትና ዘሎ ይኹን። ኣብ ወልቃይት ዘሎ፣ ኣብ ካልእ ዘሎ ኣብ ዓዲማቱ ሰፊሩ ክነብር ኣይኽእልን።

ዝኾነ ይኹን ኣካል ከም ድላዩ ዝጻወተሉ ዓዲ ክህሉ ይኽእል እዩ።

ኣብ ትግራይ ግን ብታሪኽ ኣይነበረን። ሎሚ’ውን ክህሉ ኣይኽእልን እዩ ዝብል ቀጢን መጠንቀቕታ ንሰራዊት ኢሳይያስ ሂቡ ኣሎ።

ክቕጥቀጥ ከሎ ሰላም እናበለ ዘእዊ ፤ ሰላም ክኸውን ከሎ ንኩናት ንዝህንደድ ፋሽሽታዊ ስርዓት ብልጽግና ውን ከይፈተወ ብቀላጽም ተጋሩ ናብቲ ዝድለ ውራይ ክኣቱ ከም ዝግደድ ኣረዲኡ።

እዚ ስሙር ክኸውን ህዝቢ ትግራይ ምትሕግጋዙ ኣሐይሉ ከቐጽል ከምዝግባእ ድማ ተላቢዮም።