ሕቡራት ሃገራት ናብ ትግራይ ዝቐርብ ረድኤት ዕንቅፋት ከምዘጋጠሞ ሓቢሩ።

ብሰንኪ እቲ ኲናት ምስ ካልኦት ገበርቲ ሰናይ ትካላት ብምትሕብባር ናብ ትግራይ የቕርቦም ዝነበረ ከም መግብን መድሓኒትን ዝበሉ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምንካይ፣ ንምንዋሕን ንምስራዝን ከምዝተገደደ ኣቃሊሑ።

እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ድማ ብሰንኪ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከምዝኾነ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት መተሓባበሪ ሰብኣዊ ሓገዛት (ኦቻ) ብምጥቃስ ቢቢሲ ሓቢሩ።

“ካብ ሰመራ-ኣብዓላ-መቐለ ብዝወስድ መስመር ዝፍጸሙ ናብ ትግራይ ረድኤት ናይ ምቕራብ ስራሕቲ ብሰንኪ ኣብ ኣብዓላ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ካብ 05 ታሕሳስ 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ጀሚሩ ደው ኢሉ’ሎ” ክብል ኣብ መግለጺኡ ኣፍሊጡ።

ካብ 26 ሓምለ 2013 ኣ.ግ ንደሓር ብኣብዓላ ኣቢሉ ናብ ትግራይ ዝበጽሐ ነዳዲ ከምዘየለ ዘዘኻኸረ ኦቻ፡ ብሰንኪ’ዚ ኣብ ትግራይ ቀረብ ነዳዲ ከምዘየለ ገሊጹ።

ካብ 23 ታሕሳስ ክሳብ 04 ጥሪ 2014 ኣ.ግ ኣብ ዝነበረ እዋን ከኣ 10 ሽሕን 500 ሰባት ረድኤት ከምዝበጽሖምን እዚ ቁጽሪ ተሓገዝቲ ድማ ካብ መጋቢት 2013 ንደሓር እቲ ዝተሓተ ከምዝኾነን ኣመልኪቱ።

ሰሙናዊ ረድኤት ክቕበሉ ዝግብኦም ሰባት ልዕሊ 80 ሽሕ ክኾኑ ከምዘለዎም ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

እቶም ምስቲ ትካል ተሓባቢሮም ዝሰርሑ ትካላት ግብረ-ሰናይ ኣብዚ እዋን ዘለዎም ዕቑር (ክዙን) መግቢ ን28 ሽሕ ሰባት ጥራሕ ዝኣክል ከምዝኾነ ከምዝሓበርዎ ኣፍሊጡ።

ቅድሚ ሰሙናት ክወሃብ ዝጀመረ ክታበት ንፍዮ’ውን ዛጊት ን145 ሽሕ ህጻናት ከምዝተወሃበ ብምሕባር፡ ብዝሒ ናይቶም ክኽተቡ ዘለዎም ህጻናት 800 ሽሕ ከምዝኾነ ኣዘኻኺሩ።

ሕጽረት ነዳዲን ጥረ ገንዘብን፣ መጠን ዋዒ እናተቖጻጸርካ ነቶም መድሓኒታት ምጉዕዓዝ ኣጸጋሚ ምዃኑ፡ ሕጽረት ሰብ ሞያ ጥዕናን ካልኦት ከበድቲ ብድሆታትን ተደማሚሮም ነቲ ወፍሪ ክታበት ፈተና ከምዝኾኑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ብኣንፃሩ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ግን ሰብኣዊ ረድኤት ናይ ምብጻሕ ስራሕቲ ብስፍሓት ይካየድ ምህላዉ ኦቻ ኣቃሊዑ።