ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ዘለውዎ ክቕጽል ብላዕለዋይ ቦርድ ውድብ ጥዕና ዓለም ተሓጽዩ።

ኢትዮጵያ ንዶክተር ቴድሮስ ክትከስስ ተቐሪባ ውን በቲ ቦርድ ተኸልኪላ።

ላዕለዋይ ቦርድ ውድብ ጥዕና ዓለም ድሕሪ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንካልኣይ ጊዜ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኮይኑ ንከገልግልን ኣብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ዝመጽእ ግንቦት ንክውሰን ተሰማሚዑ’ሎ።

ኣብ’ቲ 34 ኣባላት ዝሓቆፈ ቦርድ፣ ብዘይካ ኢትዮጵያ፣ ንግብረ መልሲ ኣቦ መንበር’ቲ ቦርድ ዝተቃወመ ኣይነበረን።

ወኪል ኢትዮጵያ ሽምጡ ገቲሩ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንካልኣይ ግዜ ክምረፅ የብሉን ዝብል ተቓውሞ ከስምዕ ምስተቐረበ ተኸልኪሉ ብሕንከት ከም ዝተመለሰ ተሓቢሩ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ዘነበ ከበደ ኮርቾ “ንዶ/ር ቴድሮስ ንምንቃፍ ቪድዮ ክጥቀሙ ፈቲኖም ክልተ ጊዜ ኣቋሪጾምዎም።

ኣብ መወዳእትኡ ዓጽዮምዎ።” ክብል ነቲ ሕንከት ተጎልቢቡ ዝወጸሉ መድረኽ ገሊጹዎ።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፣ ኣብ ዝሓለፈ መደረኡ ትካል ጥዕና ዓለም ኣፋውስ ናብ ኣምሓራን ዓፋርን ክኣቱ ተፈቒዱ ናብ ትግራይ ግን ከም ዝተኸልከለን ትግራይ ምድራዊት ሲኦል ኮይና ከምዘላን ምግላፁ ይዝከር።

በዚ ድማ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ክግበር ዝጸንሐ መጥቃዕቲ ካብ ሰርዓት ኢትዮጵያ ተቓውሞ ክፍነወሉ ቀንዩ እዩ።

ላዕለዋይ ቦርድ ውድብ ጥዕና ዓለም ድሕሪ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንካልኣይ ጊዜዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኮይኑ ንከገልግሉን ኣብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ዝመጽእ ግንቦት ንክውሰን ተሰማሚዑ’ሎ።