ቱርኪ፡ ሕጊ ስምምዕነት መሸጣ ኣጽዋር ብምጥሓስ ድሮናን ንስርዓት ኢትዮጲያ ትሸይጥ ከምዘላ ተገሊፁ።

መንግስቲ ቱርኪ ኣብ ኢትዮጲያ ንዝካየድ ዘሎ ኲናት ብምምዝማዝ ሕጊ ስምምዕነት መሸጣ ኣጽዋር (arms trade treaty/AAT) ብምጥሓስ ድሮናን ንስርዓት ኢትዮጲያ ይሸይጥ ከምዘሎ ፖለቲኮ ዝተበሃለ ጋዜጣ ጸብጺቡ።

መንግስቲ ቱርኪ ኣብ 2013 ኣቆጻጽራ ፈረጂ ከም ድሮን ዝኣመሰሉ መስራሒ ኲናት መሸጣ ዝምልከት ዝኣተዎ ውዕል ብምፍራስ ኣብ ኢትዮጲያ ዘሎ ኲናት ንመሸጣ ኣጽዋር እታ ሃገር ይጥቀመሉ ከምዘሎ ክሲ ይቀርበሉ ኣሎ።

እቲ ኣብ 2013 ቱርኪ ዝፈረመቶ ስምምዕነት መሸጣ ኣጽዋር( arms trade treay/AAT) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓለም ለኻዊ ስምምዕነት ሕቡእ መሸጣ ኣጽዋርን ዝውውሩን ዝምልከት ሕጋዊ መልክዕታት ዝተከተለ ስቃይን ጥቅዓትን ሰለማዊ ሰባትን ንምቅናስ ዓላማ ዝገበረ ዋላ እንተኾነ መንግስቲ ቱርኪ ግን ድሮንን ካልኦት ኣጽዋራትን ብሕቡእ ብዘይ ምንም ቅድመ ኩነት ንመንግስቲ ኢትዮጲያ ዝሸጠ እንትኸውን ስራሓት ቱርኪ ዝኾና ባይራክታር ቲቢ2 ዝተበሃላ ድሮናት ኣብ ትግራይ ልዕሊ ስለማያን ሰባት ከቢድ ጨፍጫፍ እናፈጸማ ይርከባ።

ስርዓት ኢትዮጵያ ካብ ቱርኪን ዓረብ፣ ኢምሬትስን ቻይናን ብዝገዘኣን ዶሮናት ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 40 ግዜ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ትግራይ ደብዳብ ከምዘካየደ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝነጥፉ ትካላትን ስሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ዲፕሎማሰኛታትብ ዝተዛረቡ እንትኸውን ብሰንኪ እቶም ደብዳባት ድማ በኣማኢት ዝቁጸሩ ሰለማውያን ሰባት  ከምዝሞቱ ዝፍለጥ እንትኸውን ካብተን ድሮናት ዝተተኾሱ ተወንጨፍቲ መሰረት ብምግባር ናይ ምስሊ ምርመራ ተኻይዱ እቲ መሳርሒ ናይ ቱርኪ ድሮናት ዝጥቀማሉ ከምዝኾነ ሓደ ዓለም ለኻዊ ትካል ከምዘረጋገጸ ኣብ ኣሜርካ ዝመደብሩ ፖለቲኮ ጸብጺቡ።

ፍሉይ ሉኡክ ኣሜርካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ዝሓለፈ ንኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ኣብ ቱርኪን ኣብ ዝነበሮም ጻኒሒት እተን ድሮና ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዘብጽሕኦ ዘለዋ ጉድኣት ኣመልኪቶም ዘለዎም ቅርታ ዝገለጹ ዋላ እንተኾነ ሐዚ እውን መንግስቲ ቱርኪ ንኢትዮጵያ ምሕጋዝ ደው ከምዘየበለ ጸብጻባት ይሕብሩ።