ሰብ ሞያ ጥዕና ትግራይ ኣብ ጥቕሚ ዝውዓሉ ናውትን ላባራቶሪ ኤጀንትን ዳግም ኣብ ረብሓ ዝውዕልሉ መፅናዕቲ ዕላዊ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብ ትግራይ ብዝተፈፀመ ዕፅዋን ክባን ኸቢድ ሕፅረት ኣፋውስን ናውቲ ሕክምናን ብምህላዉ ሰብ ሞያ ጥዕና ትግራይ ኣብ ጥቕሚ ዝውዓሉ ናውትን ላባራቶሪ ኤጀንትን ዳግም ኣብ ረብሓ ዝውዕልሉ መፅናዕቲ ድሕሪ ምክያድ ዕላዊ ከምዝገበሩ መምህራንን ተመራመርቲ እቲ ጉጅለን ኣይተ ኣፅብሃ ገ/ኪዳንን ኣይተ መሓሪ ገ/ፃድቃንን ኣረዲኦም።

ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ካብ ደገ ዝኣቱ ኮነ ኣብ ዉሽጢ ዝነበረ ናዉቲ ሕክምና ከምዘየለ ዝገለፁ እቶም ተመራመርቲ ናውትን ላባራቶሪ ኤጀንትን ዳግም ኣብ ረብሓ ዝውዕልሉ መፅናዕቲ ድሕሪ ምክያድ ዕላዊ ከምዝገበሩ ድምፂ ወያነ ትግራይ ገሊፃ።

እቶም ዕላዊ ዝተገበሩ ኣፋውስን ላባራቶሪ ኤጀንትን ድማ ብመሰረት ዝተቐመጠሎም መምርሕታት እንተተግቢሮም ውፅኢት ከምፅኡ ዝኽእሉን ዘተኣማምኑን ምዃኖም ኣብቲ መፅናዕቲ ዝተሳተፉ ተመራመርቲ ጥዕና ገሊፆም።