ብሰንኪ ዕፅዋ ንሕሱም ጥሜት ዝተቓልዑ ወገናት ድጋፍ ተዋሂቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብቅሉዕ ወራር ዝጀመሮ ወፍሪ ጀኖሳይድ ብዕፅዋን ክባን ብምጥንኻር ህዝቢ ትግራይ ንከቢድ ማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልውላው ኣቃሊዑ ይርከብ።

ብግልጋሎት ፅሬት እናነጠፈት ስድራኣ ተመሓድር ዝነበረት ነባሪት ከተማ መቐለ ወይዘሮ ትርሓስ ማሙየ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘንበሮ ዕፅዋ ስዒቡ ንጥሜት ከምዝተዳረገት ተዛሪባ።

ወይዘሮ ትርሓስ “ከይሰርሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኩሉነገር ዓፃፅዩ ብሕሱም ጥሜት እየ ዝሳቐ ዘለኹ” ክትብል ገሊፃ።

ማሕበር ምምዕባልን ምልላይን ባህሊ ትግራይ ካብ ግዱሳት ተጋሩ ብዘተኣኻኸበቶ ሓገዝ “ፊኖን 500 ቅርሽን ሓጊዞምኒ ኣለው ክብረት ይሃበለይ” ኢላ።

ኣዶ ክልተ ቆልዑ ወይዘሮ እየሩሳሌም ኪዳነ ብወገና “ብ360 ዲግሪ ብፀላእቲ ተኸቢብና ካብ ዓለም ተፈሊና ኣብ ባንኪ ዝነበረኒ ቅርሺ እዃስ ህይወት ደቀይ ዘየድሕን ዋጋ ዘይብሉ ኮይኑ” ብምባል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ጀኖሳይድ ኮኒና።

ህይወት ደቃ ንዝተወሰነ እዋን ዘውሕስ ድጋፍ ስለዝተገበረላ ዘመስገነት ወይዘሮ እየሩሳሌም “ኩሉ ትግራዋይ ወገኑ ንምድሓን ክደጋገፍ” ከምዝግባእ ሓቢራ።

ኣቦ ወንበር ማሕበር ምምዕባልን ምልላይን ባህሊ ትግራይ ከያኒ ጎይተኦም ሃይለማርያም “እዚ ሓገዝ እዚ መዓርግ ገብሩን ርሻን ወልደኣበዝጊ ዝተብሃለት ኣብ ኣሜሪካ ትነብር ግድስቲ ትግራወይትን ዝሃቡና ቤት ዕዮ ጉዳይ ማሕበራዊ ብዝሓበረና ተደሪኽና ፊኖን ንሓደ ሰብ 500 ቅርሽን ሂብና” ክብል ተዛሪቡ።

ብሕማምን ካልኦት ምኽንያታትን ንዝተፀገሙ ነባራት ከየንቲ ከምኡ እውን ኣብ ወረዳ ጣንቋ ምላሽ ጣብያ ኣግበ ብፀላእቲ ገዛውቶም ዝተቓፀሎም 27 መራሕቲ ስድራ ነፍሲ ወከፍ 1000 ገንዘባዊ ድጋፍ ከምዝገበሩ ገሊፁ።

ንማእኸላት መሕብሐቢ ህፃናት ሓዊሱ ንዝተፈላለዩ ንከቢድ ሓደጋ ዝተቓልዑ ወገናት 420 ሽሕ ቅርሺ ድጋፍ ምሃቦም ዝጠቐሰ ከያኒ ጎይተኦም “በቢዝኸ ኣልናዮ ተደጋጊፍና እዚ ፈታኒ እዋን ክንሓልፎ” ከምዝግባእ ሓቢሩ።

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዘውፅኦ ፀብፃብ 6.5 ሚልዮን ህዝቢ ህፁፅ ሓገዝ ዘድልዮ እንትኸውን ትግራይ ከም ዓዲ ንሰብ-ሰራሕ ዓፀቦ ከምዝተቓለዐት ሓቢሩ።