ሓይልታት ምኽልኻል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተወደበ ሓይሊ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ሓቢሩ።

ሓይልታት ምኽልኻል ትግራይ ንሰላም ዕድል ንምሃብ ካብ ተቆጻጺርዎ ዝነበሩ ከባቢታት ዓፋርን ኣምሓራን ሙሉእ ንሙሉእ ዝለቐቐ ዋላ እንተኾነ ሓይልታት ምኽልኻል ትግራይ ተቆጻጺረምዎም ዝርኸቡ ቦታታት ተደጋጋሚ ትኾሳታት ክግበሩ ጸኒሖም እዮም ዝበለ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ነዚ ትንኾሳታት ሓይልታት ምኽልኻል ትግራይ ብትዕግስቲ ይሓልፎ ከምዝጸነሐ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ ታሪካዊ ምሕዝነት ህዝቢ ዓፋርን ትግራይን መሊእካ ንምብታኽን ንምድኻምን ዓሊሙ ብቀጥታ መሪሕነት መንግስቲ ኤርትራ ዓፋር ቀይሕባሕሪ ብዝብል ሽምን ሽፋንን ክሳብ ኣፍንጩኡ ዝተዓጠቐ ሓይሊ ምስ ናይ ኣወል ዓርባ ፍሉይ ሓይሊ ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ትግራይ ከቢድ መጥቃዕቲ ዝኸፈቱ እንትኸውን ብሃገር ሽማግለን ብዕላዊ ጻዊዒት መንግስቲ ትግራይን ክምለሱን ክሰምዑን ብዘይምኻኣሎም ሓይልታት ምኽልካል ትግራይ ዘይዳግም ስጉምቲ ከምዝወስውደሎም ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ሓቢሩ።

ብእቲ ዝተወሰደ ስጉምቲ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ብግፍዒ ተኣሲሮም ዝነበሩ ሰለማዊያን ተጋሩ ዝተፈትሑ እንትኸውን ናይ ኣወል ዓርባ ፍሉይ ሓይሊ ሓዊሱ ብርኽት ዝበሉ ወታደራት ኤርትራ እውን ከምዝተማረኹ ገሊፁ።

እቲ ስጉምቲ ኣዝዩ ጥንቃቀ ብዝተመልኦን ሰራዊት ኤርትራን ተለኣኣኽቱን ካብ ጥቅሚ ወጻኢ ብምግባር ንምሕዝነት ህዝቢ ዓፋርን ትግራይን ዕቅፋት ኮይኖም ናብ ዘይቅጽልሉ ብርኪ ንምውራድ ዓሊሙ ዝተገበረ እንትኸውን እዞም ሓይልታት እዚኦም ዝብገስሎም ዝነበሩ ናቁጣጣት ዝጸራረገ ከምዝነበረ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኤርትራ ፍሉይ ሓይሊ ኣወል ዓርባ ብምስልጣንን ሰራዊቱ ብኣንፈት ዓፋር ብምእታውን ካብ መቐለ 30 ኪሎሚተር ርሒቑ ውግእ ክከፍት ዝጸነሐ ምዃኑ ይፍለጥ።