ሃዲኡ ዝፀንሐ ውጥጥ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዳግማይ ተወሊዑ።

ኮምሽን ዶብ ሱዳን ብ1902 ዝተፈረመ ውዕል ኢትዮጵያ እንተድኣ ነፂጋቶ እቲ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ዝተሃነፀሉ መሬት እውን መሬት ሱዳን እዩ ክብል ኣፍሊጡ።

ብዶብን ብሩባ ናይልን ዝሰሓሓባ ዘለዋ ኢትዮጵያን ሱዳንን መንቀሊ ቅርሕንተን መዐለቢ ኣይረኸበን ዘሎ።

ኢትዮጵያ ሓሙሽተ ዕጽፊ ኣዲስ ኣበባ ዝኸውን ልሙዕ መሬት ኣልፈሽጋ ብሱዳን ተወሪረ ክትብል ዝጸንሐት ኮይና ሱዳን ብወገና እቲ መሬት ናይ ባዕለይ እዩ። ኣብ ናይ ዝህነጽ ዘሎ ግድብ ውን የስግኣኒ እዩ ዝብል ቅሬታ ክተቕርብ ጸኒሓ ያ።

ኢትዮጵያ ካብቲ ግድብ ዝፍልፍል ሓይሊ ንሱዳን ሓዊሱ ንካልኦት ውን ከም ዝጠቅም ክትሕብር ዝጸሐት ኮይና ብወገን ሱዳን ኮነ ብወገን ግብጺ ተቐባልነት ኣይረኸበትን።

እኳ ደኣስ ሱዳንን ግብጽን ኣብ መፈለምታ ኩናት ትግራይ ንስርታት ናይል ዝብል ስያመ ዝተውሃብ ናይ ሓባር ልምምድ ነፈርቲ ውግእን ሰራዊትን ከካይዳ ተራእየን እየን።

ብሰንበት ኢትዮጵያ ካብቶም ኣብቲ ግድብ ዝተተኽሉ 13 ተርባይናት ነታ ሓንቲ ስራሕ ከም ዘጀመረት ምግላጻ ስዒቡ ክልቲአን ሃገራት ብቑጠዐ ተቓዊሞንኦ የን።

ነዚ ስዒቡ ድማ ኮምሽን ዶብ ሱዳን ብ1902 ዝተፈረመ ውዕል ኢትዮጵያ እንተድኣ ነፂጋቶ እቲ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ዝተሃነፀሉ መሬት፣ መሬት ሱዳን እዩ ክብል ኣፍሊጡ ኣሎ። ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ካብ ሱዳን 5 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ዩ ተሃኒጹ ዝርከብ።