ኣልሸባብ ኣብ ሶማልያ ንወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣጥቂዑ።

በቲ መጥቃዕቲ ሓደ ወተሃደር ተቐቲሉ ብዙሓት ቆሲሎም። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ዓቀብቲ ሰላም ኣሚሶም ዘቕነዐ ምንባሩ ተገሊጹ ኣሎ። ዋጃሊድ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ደቡብ ምዕራብ ሶማል ብወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሕሎ ዒላ ማይ ከም ዝተፈጸመ ሓላፊ ጸጥታ ሶማል ኣዳም ኢሳቕ ተዛሪቡ።

እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣል-ሻባብ ኣብ 2021 ናይ 24 ሚልዮን ዶላር ዕድጊት ኣጽዋር ከም ዝፈጸመ ሞቓድሾ ዝመደብሩ ሂራል ዝተባህለ ጉጅለ መጽናዕቲ ሓቢሩ እዩ፡፡

ብተወሳኺ እቲ ደጋፊ ናይቲ ኣል-ቃዒዳ ዝተባህለ ዓለም ለኻዊ ጉጅለ ግብረ ሽበራ ከም ዝኾነ ዝእመን ኣልሻባብ፡ ዓመታዊ 180 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከም ዝረክብ ተገሊጹ፡፡

ኣልሸባብ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኬንያን ብሽፋን ሃይማኖት ከብጽሖ ዝኽእል መጠን ስግኣት መጥቃዕቲ ናብ 17% ከም ዝበረኸ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝሓለፈ እዋን ምጽብጻብና ይዝከር።

እቲ ‘‘ኣጽዋር ኣል-ሻባብ ካብ ቀረጽ ክሳብ ሽበራ’‘ ብዝብል ዝወጸ ጸብጻብ፡ እቲ ጉጅለ ኣጽዋር ንምርካብ ዝተፈላለዩ መንገዲታት ከም ዝጥቀም ዝሓበረ ኮይኑ ካብ ጸሊም ዕዳጋታት ውሽጢ ዓድን ከምኡ እውን ኣጽዋር ካብ ወጻኢ ብፍላይ የመን ዓዲጎም ካብ ዘቕርቡሉ ትካላት ከም ዝረክብን የረድእ፡፡

እቲ ጉጅለ ንገዚፍ ከባቢታት ሶማልያ ከም ዝቖጻጸር ዝሓበረ ሂራ ኢንስቲትዩት፡ ነቲ ህዝቢ ብምእማንን ብምግዳድን ክቕበልዎ ከም ዝገብር ኣፍሊጡ፡፡

ኣል-ሻባብ ኣጽዋር ዝረኽበሉ መንገዲ ደው ንምባል ብወሽመጥ ኤደን ኣቢሎም ዝካየዱ ምንቅስቓ ኣጽዋራት ምቁጽጻር ሓዊሱ እቲ ጉጅለ ኣጽዋር ዝረኸበሎም መንገዲታት ዝዓጽዉ ስጉምቲታት ክውሰዱ ኣለዎም እውን ኢሉ፡፡

ባይቶ ጸጥታ ናይቲ ውድብ ኣብዚ ወርሒ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣልሸባብ ካብ 2022 ናብዚ 10 መጥቃዕቲታት ወጢኑ ከም ዝተንቀሳቐሰ ብምግላጽ መጠን ስግኣት መጥቃቱ ብ17% ከም ዝወሰኸ ብምግላጽ ፤ ኬንያን ኢትዮጵያን ዕላማታት ናይቲ ጉጅለ ናይ ምዃን ዕድለን ልዑል ከም ዝኸውን ኣረዲኡ።

ክልቲአን ሃገራት ብግዲአን ኣብዚ ሰሙን ብመገዲ መራሕቲ ፖሊስ ፌደራል ኣብ ናይሮቢ ተራኺበን ብዛዕባ ኣብ ዶባት ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ንምቁጽጻር ዝሕግዝ ስምምዕ ምፍጻመን ይፍለጥ።