ውድብ ህዝብታት ዓፋር (APP) ነቲ ብብልጽግና ዝተጣየሸ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ።
~

እቲ ፓርቲ እቲ ዝተጣየሸ ኮሚሽን ንድሌትን፤ ሓሳባትን ኩነታት ኢትዮጵያ ዘየገናዘበን ንሓደ ወገን ኣተሓሳስባ ዝወገነ ኣካታታይ ብዘይምዃኑ እዩ ኢሉ።

ንህዝቢ ዓፋር ንውግን ኢና ዝብሉ ብዘይካ ፌዴራሊስት ሓይልታት ዓፋር ፤ ኣብዝሓ ብልጽግና ወጊኖም ነቲ ህዝቢ ዓፋር ናብ ዝኸፈአ ቅልውላው ዘእቱ ዘሎ ፕሮጀክት ጽልኢ ብልጽግና ደጊፎም መግለጸጺታት እንተውጽኡ እዮም ዝረኣዩ።

ነቲ ግጉይ ተረኽ ኤሊታት ስርዓት ኢትዮጵያ ብምድጋም ድማ ብፍላይ ፤ ዓፋር ምድራዊ ድሮን እናበሉ ናብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘእተዎም ግጭት ኣንጻር እቲ ናይ ቀረባ ዝበሃል ህዝቢ ትግራይ ንክለዓሉን ኣብ ልዕሊ ንዘመናት ምሰኦም ዝነበረ ትግራዋይ ክለዓሉ ተገይሩ እዩ።

ውድብ ህዝቢታት ዓፋር APP ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ምርግጋዕን ክመጽእ እንተኾይኑ፤ እቲ ተጣይሹ ዝተብሃለ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ንኹሎም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ኣተሓሳስባታት ዝውክልን ደገፍ ዘለዎን እዩ ክኸውን ዝነበሮ ክብል ነቒፍዎ ኣሎ።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኦሮሚያ ክልል ዝንቀሳቐሱ ውድባት ፖለቲካ ኦነግ፡ ኦፌኮን ከምኡ እውን ኣብ ክልል ሶማል ዝንቀሳቐስ ኦብነግ እውን ነቲ ኮሚሽን ካብ መፈለምትኡ ዝተቓወሙ እዮም።