ሊሂቃን ኢትዮጵያ በዓል ዓድዋ ኣብ ሽዋ ከብዕልዎ ከምዝተገደዱ ተገሊፁ።

ኢሊታት ኣምሓራ፣ ንመበል ካልኣይ ጊዜ በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከብዕልዎ ከምዝተገደዱ ይገልፁ ኣለው።

እቶም ብፅውፅዋይ ኢሊታት ኣምሓራ ዝምርሑ ኢትዮጵያውያን ድማ ብማዕኸናት ዜናን ጋዜጣታትን እታ ሃገር ንዓድዋ ብኣካል ምኻድ ኣየድልን ብሓሳብ ዘኪርናዮ ክንውዕል ኢና ኢሎም ኣለው።

ቅድሚ ሕጂ ጉዕዞ ንዓድዋ ብዝብል ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሶም ብእግሮም ናብ ዓድዋ ዝገብርዎ ዝነበሩ ጉዕዞ ድማ ካብ ዝስረዝ ካልኣይ ዓመቱ ሒዙ ኣሎ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት መንግስቲ ትግራይ እቲ ልሙፅ ጨርቂ ሚኒልክ ሒዞም ናብ ትግራይ ክኣትው ከምዘይኽእሉን እንተኾነ ብሰለማዊ መንገዲ ኣትዮም ክወፁ ከምዝኽእሉ ገሊፁሎም ነይሩ።

ዝሓለፈ ዓመት ድማ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት እቲ በዓል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራይ ተዘኪሩ ምውዓሉ ዝፍለጥ እዩ።

እቲ ብመሪሕነት በላሕቲ መራሕቲ ኲናት ተጋሩ በዓል ራእሲ መንገሻ፣ ባሻይ ኣውዓሎም፣ ራእሲ ሓጎስ፣ ራእሲ ኣሉላን ራእሲ ስብሓትን ኣብ ዓድዋ ዝተስዓረ ጥልያን ኣብ መወዳእታ ሃፀይ ሚኒሊክ ንሰሜንን ደቡብን ተጋሩን ብምምቓል ፀሊም ታሪኽ ከምዝገደፈ ይዝከር።

እንተኾነ እቶም ታሪኽን ሉኣላዊ ግዝኣት መሬት ትግራይ ንምጉባጥ ድሕር ዘይብሉ ኢሊታት ኢትዮጵያ ወግሐ ፀብሐ ርስትን ታሪኽን ተጋሩ ክምንጥሉ ምፅንሖም ዝፍለጥ እዩ።