ኢንግሊዝ ፈላሞት ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ናብ ሩዋንዳ ከምእትምልስ ኣፍሊጣ።

ኢንግሊዝ ብመሰረት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ መንግስቲ ሩዋንዳ ዝበጽሓቶ ስምምዕ፡ ናይ መጀመርታ ናብታ ሃገር ዝምለሱ ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ክትሰዶም ምዃና ሚኒስትር ውሽጢ ዓዲ ኢንግሊዝ ኣፍሊጡ።

ሰብ መዚ፡ ድሮ ነቶም ካብ 14 ሰነ 2021 ጀሚሩ ናብ ሩዋንዳ ክምለሱ ምዃኖም ዝተፈልጡ ሰባት ስሩዕ መገዲታት ከዳልውሎም ጀሚሮም ኣለው።

ይኹን’ምበር፡ እቲ መስርሕ ግብራዊ ኣብ ምግባር ሕጋዊ ማሕለኻታት ከጋጥሞ ምዃኑ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዚ ኣካታዒ መደብ፡ ‘ኣንጻር ተፈጥሮ ኣምላኽ’ ክብል ዝገለጾ ሊቀ ጳጳስ ካንተርባሪን ሓዊሱ ብዙሓት ፖለቲከኛታን ትካላት ሓገዝን ነቒፎምዎ እዮም።

ብመሰረት እዚ መደብ፡ ናብ ብሪጣኒያ ዝኣተው ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ተመሊሶም መስርሕ ሕቶ ዕቑብኦም ካብኡ ክከታተሉ’ዮም።

ሚኒስተር ወሽጢ ዓዲ ፕሪቲ ፓተል፡ እቲ ምስ ሩዋንዳ ዝተበጽሐ ስምምዕ “ነቲ ዘይዕሩይ ስርዓት ዑቕባ ንምምርማርን ሞዴል ንግዲ ኣሰጋገርቲ ሰባት ንምዕጋትን ዝሕግዝ ቑልፊ ስትራቴጂ’ዩ” ኢላ።

ኣብዚ ዓመት፡ ልዕሊ 4,850 ሰባት ብመትረብ እንግሊዝ ብጃልባ ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝኣተው ኰይኖም፡ እዚ ቑጽሪ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 831 ከም ዝነበረ ይግለጽ።

እቲ ሚኒስትሪ፡ ክሳብ ሕጂ ክንደይ ዝኣኽሉ ሓተትቲ ዕቑባ’ዮም ኣብቲ ናይ መጀመርታ ዙርያ ምግዓዝ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ክምለሱ ዝብል ብወግዒ ዝሃቦ ሓበሬታ የለን።