ኣብ ትግራይ ብዝተወሰነ መልክዑ ትምህርቲ ምጅማሩ ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ገሊፆም።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝተኸፈተ ኲናት ምኽንያት ሰገናት ትግራይ ካብ ትምህርቲ ርሒቖም ዝፀንሑ እንትኾን ካብ ቀረባ ግዘ ናብዚ ድማ ብዝተወሰነ መልክዑ ትምህርቲ ምጅማሩን ተምሃሮ ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻድ ምጅማሮምን ዝበረታታዕ እዩ ክብሉ ትካላት ገበርቲ ሰናይ “UNICEF ን Edu Can’t Wait”ን ሓቢሮም።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝተወለዐ ኲናት ምኽንያት ቤት ትምህርትታት ምዕናዎም፣ መምህራን ምቕታሎምን ምስዳዶምን ስዒቡ ሰገናት ትግራይ ካብ ትምህርቲ ርሒቖም ብምንባሮም ንወለዲ እውን ከቢድ ከም ዝነበረ ዝገለፅ ክብሮም ተኽለ

“ደቅና ካብ ትምህርቲ ርሒቖም ምፅንሖም ብዙሕ እዩ ተሪፍዎም። ከም ወለዲ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ክውዕሉ ከለው እውን ስግኣት እዩ ዝስምዐና። እቲ ዝነበረ ናይ ድሮንን ጥቕዓታት ክትሰግእ ዝገብር እዩ።” ክብል ይገልፅ።

ኣብ ትግራይ መብዛሕቲኡ መሰረተ ልምዓት ትምህርቲ ኮነ ተባሂሉ ብሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምዝዓነወን ከምዝተዘመተን ዝፍለጥ እዩ።