ልዕሊ 12 ሽሕ ተጋሩ ኣብ ከተማ ሰመራ ተኣሲሮም ከምዘለው ተሓቢሩ።

ካብ ከተማ ኣብዓላ ተወሲዶም ኣብ ዋና ከተማ ክልል ዓፋር ሰመራ ተኣሲሮም ዝርከቡ ተጋሩ ብኣልማሚት ከካብ ገዝኦም ተገፊፎም ንልዕሊ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ብትግራዋይነቶም ጥራይ ተኣሲሮም ከምዘለው ተፈሊጡ።

እዞም ልዕሊ 12 ሽሕ ዝኾኑ ተጋሩ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ከካብ ገዝኦምን ካብ ዝተረኸቡሉን ብግፍዒ ተገፊፎም ብዘይ ዝኾነ ክስን ሰብኣዊ ብዘይኾነ ኣታሕዛን ተዳጒኖም ይርከቡ።

ሓደ ንድሕንነቱ ክበሃል ሽሙ ክግለፅ ዘይደለየ ኣብዚ እዋን ኣብ ከተማ ሰመራ ተኣሲሩ ዝርከብ ትግራዋይ ምስ ራድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዝገበሮ ፃንሒት፡

ንሱ “14 ታሕሳስ 2014 እዮም ናብዚ ኣምፂኦምኒ። ኣብ ኣብዓላ እየ ተወሊደ ዓብየ። በዓል ሓዳር እየ። ቆልዓ ኣለኒ። ኣብዚ ምስመፃና ኣዋልድን ኣወዳትን ነንበይንና ገይሮም ኣብ ካምፕ እዮም ኣሲሮምና ዘለዉ። ናይ ዓፋር ምልሻ ዝመስሉ፣ ናይ ፍሉይ ሓይሊ ክዳን ዝተኸደኑ ከምኡ እውን ናይ ሲቪል ክዳን ዝተኸደኑ ሰባት በቢ ገዝኡ እናኣተው ሰብ የጋፍዑ ነይሮም። ዝተቐተሉ ሰባት እውን ርእየ እየ። ክወስዱና ከለው ኣብ መንገዲ እንፈልጦም ሰባት ሞይቶም ሪእና ኢና። ሲቪላት ተቐቲሎም ርእየ እየ። ቀተልቲ ድማ ናይ ዓፋር ምልሻ፣ ፍሉይ ሓይልን ሲቪል ዝተኸደኑ ሰባትን እዮም። ደቂ ኣንስትዮ ይድፈራ ነይረን ደቂ ተባዕትዮ ድማ ይቐትሉ ስለዝነበሩ ኣብ ዝረኸብናዮ ኢና ንሕባእ ነይርና” ክብል ይገልፅ።

ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝነብሩ ተጋሩ ብመንነቶም ምኽንያት ብምግባር ይእሰሩን ይንገላትዑን ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ምዕራብ ትግራይ እውን ከካብ ከዝኦም ዝተገፈፉ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ተጋሩ ኣብ ናይ ሰሊጥ መኽዘናትን መዳጎኒ ማእኸላትን ይሳቐዩን ይቕተሉን ከምዘለው ይፍለጥ።