ወድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ንተጋዳላይ ኪዳነ ኣመነ ብግዝያውነት ካብ ውድባዊ ሓላፍነት ምእጋዱ ኣፍሊጡ።

ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ ባይቶና ንነበር ኣቦ ወንበርን ስራሕ ፈፃሚን ርክብ ህዝቢን እቲ ውድብ  ተጋዳላይ ኪዳነ ኣመነ ካብ ዝኾነ ይኹን ውድባዊ ሓላፍነት ብግዚያውነት ከምዝኣገደ ኣፍሊጡ።

ናብ ያበለ ሚዲያ ዝበፀሐ ደብዳበ ከምዘመላኽቶ፣ ካብ 22 ግንቦት 2014 ዓ/ም ጀሚሩ ተጋዳላይ ኪዳነ ኣመነ ካብ ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ብዝቐረብሉ ኣርባዕተ ነጥብታት ወቐሳ መሰረት ካብ ውድባዊ ሓላፍነት ከምዝተኣገደን ብዝምልከቶ ኣካል ግቡእ ውሳነ ክሳብ ዝወሃብ ኣብ ኢዱ ዝርከብ ንብረት ከረክብ ዝሓትትን እዩ።

እቲ ናብ ያበለ ሚዲያ ዝበፀሐ ብኣቦ መንበር ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ ፀጋዝኣብ ካሕሱ (ዶ/ር) ዝተፈረመ ደብዳበ ተጋዳላይ ኪዳነ ኣመነ ቅድሚ ሐዚ ብማእኸላይ ባይቶ እቲ ውድብ ተገምጊሙ ካብ ኣቦ መንበርነት ዝወረደሉ ባህሪታትን ተግባራን ከማሓይሽ ብዘይምኽኣሉ፤ ካብ መስርሕን ኣሰራርሓን እቲ ውድብ ወፃኢ ብምንቅስቃሱን ነቲ ውድብን ፕሮግራሙን ዘየንፀባርቑ ሓሳባት ብምዝርጋሕን ዝኽሰስ እንተዝኸውን ምሽጥር እቲ ውድብ ንሳልሳይ ወገን ብምቕባል ዝነቅፍ እዩ።

እንተኾነ እቲ ንተጋዳላይ ኪዳነ ኣመነ ዝተፀሓፈ ናይ እግድ  ደብዳቤ  እቲ ምሽጥር ኣሒፉ ዝተወሃቦ ሳልሳይ ወገን ዘይጠቅስን ምስቲ ናይ ውድብ ፕሮግራምን መትከላትን ዝጻረሩ ብኪዳነ ኣመነ ኣቢሎም ዝቀረቡ ሓሳባት ኣየናይን ኣበይን ከምዝኮኑ ዝሓበሮ ነገር የለን።

ካልእ ኣብዚ ጉዳይ ርኢቶ ክህቡና ዘዘራረብናዮ ሓላፊ ጉዳያት ሕጊ፣ ቁፅፅርን ድሕንነትን ውድብ ባይቶና -ዮሴፍ ሃይለስላሴ እዚ ውሳነ ኮሚሽን ቁፅፅር እቲ ውድብ ዘይፈልጦን ሕግን ስርዓትን እቲ ውድብ ዘይተኸተለ ከምዝኮነ ሓቢሮም።

እዚ ጉዳይ ሐዚ እውን ምፅራይ ዝግበረሉ ዘሎ ጉዳይ እዩ ዝበሉ ሓላፊ ቁፅፅርን ድሕንነትን እቲ ውድብ ምስቲ ዘሎ ዕፅዋ ኢንተርኔትን ስልኪን ኪዳነ ኣመነ መልሲ ከምዘይሃበሉን ብመሰረቱ እውን እቲ ኣቦ ወንበር ከምዚ ዓይነት ውሳነ ክፅሕፍ ሓላፍነት ከምዘይብሉ ተዛሪቡ።

ከምዚ ዓይነት ጉዳያት እንትገጥሙ ናብ ቁፅፅር ኮሙሽን እቲ ውድብ እዩ ክቀርብ ዝግባእ ዝበሉ ኣይተ ዮሴፍ ብዕላዊ ደብዳቤን ኣድራሻን ዝተለኣኾም ከምዘየለን ብቅዳሕ እውን ክፈልጡ ትኽክል ከምዘይኮነን ተዛሪቦም።

ካብዚ ብተወሳኪ ”እቲ ደብዳቤ ናይ ግልፅነት ፀገም ዘለዎ ከምዝኮነ፣ ፀገም ኣሎ ዶ የለን ዝብል ሓዲግና እቲ ደብዳቤ ሕጊ ዘይተኸተለን ክሳብ ማዓዝ እዩ  እቲ እግድ ዝብል እውን ግልፂ ኣይኮነን” ኢሎም። 

ተጋዳላይ ኪዳነ ኣመነ ካብ ምስረታ እቲ ውድብ ጀሚሩ ኣቦ ወንበር እቲ ውድብ ኮይኑ ክሳብ መስከረም 2013 ዓ/ም ዘገልገለ እንትኸውን ኣብ 2012 ዓ/ም መወዳእታ ኣብ ዝተገበረ መረፃ ብሕታዊ ተቓዋሚ ኣባል ቤት ምክሪ ትግራይ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ። 

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ስዒቡ ንበረኻ ብምውፃእ ኣብ ቃልሲ ድሕሪ ምፅናሕ ነቲ ኲናት ኣመልኪቱ  ኣብ ዝተጣየሸ ኮማንድ ፖስት እውን ብኣባልነት እንዳገልገለ ይርከብ።

ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ያበለ ሚድያ ሪኢቶ ኪዳነ ኣመነ ረኺቡ ከከታት ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።

ብምዃኑ እውን ዕድል እንትርከብ ተጋዳላይ ኪዳነ ኣመነ ኣብዚ ጉዳይ ዝህልዎ ርኢቶን ሓሳብን ተከታቲልና ክነቅርብ ምዃንና ክንሕብር ንፈቱ።