“መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጥምየት ከይፍለጥ ይዕፍን ኣሎ” ክብል ማርክ ሎውካክ ገሊፁ።

ነበር ኣተሓባባሪ ህፁፅ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት ማርክ ሎውካክ ብሰሉስ ኣብ ዝነበረ “Overseas Development Institute” ኣብ ዘዳለዎ ናይ ኦንላይን ዋዕላ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጥምየት ትግራይ ይዕፍን ኣሎ” ክብል ገሊፁ።

ማርክ ሎውካክ “ኣብ መወዳእታ ኣብ ሑቡራት ሃገራት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ኣብ ትግራይ ጥምየት ምንባሩ ንዓይ ግልፂ እዩ ነይሩ። ጥምየት ምህላዉ ዘይተኣወጀሉ ምኽንያት ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ኢሉ ነቲ ከይዲ የዘናግዖ ስለዝነበረ እዩ።” ክብል ኣብቲ ዋዕላ ገሊፁ እዩ።

ማርክ ሎውካክ ኣብ ሰነ 2021 እውን ኣብ ትግራይ ጥምየት ኣሎ ክብል ገሊፁ ነይሩ።

እንተኾነ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዝኸፈአ ጥምየት “ኣብ ጫፍ ዝበፅሐ” “ኣብ ናይ ጥምየት ሓደጋ ዘሎ” ከምኡ እውን ናይ ጥምየት ዝመስል ኩነታት” ክብል እናገለፆ ምፅንሑ ዝዝከር እዩ።

ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዘንበሮ ነዊሕ ዕፅዋ ምኽንያት ልዕሊ ፍርቂ ሚልየን ህፃውንቲ ትግራይ ንሕፅረት ምግቢ ዝተቓልዑ እንትኾኑ ካብዚኣቶም እቶም 116 ሽሕ ህፃውንቲ ድማ ንኣዝዩ ዝኸፍአ ሕፅረት ምግቢ ከምዝተሳጥሑ ዝፍለጥ እዩ።