ኣብ ትግራይ ብሰንኪ መሰረታዊ ቀረባት ኣስታት 200 ሽሕ ህዝቢ ከምዝሞተ ትካል ሰላም ዓለም ኣቃሊዑ።

ትካል ሰላም ዓለም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ትግራይ ጥምየት የለን ክብል ከምዝተዛረበ ሓቢሩ።

እቲ ትካል ከምዝበሎ ስርዓት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ትግራይ ፍፁም ሓደጋ ጥምየት የለን ክብል ዋላ እኳ እንተኸሓደ ኮይኑ ግና ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ብጥምየት ከምዝሃለቁ ፍልፍላት ብምጥቃስ ፀብፂቡ።

ትካል ሰላም ዓለም ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ተኣዊጁ ዘሎ ዕፅዋን ክባን ብሰኣን ምግብን ኣቕርቦት መድሓኒት ልዕሊ 200 ሽሕ ህዝቢ ከምዝሞተ ወሲኹ ሓቢሩ።

ቕድሚ ሕጂ እውን ኣብ ቤልጅየም ዝርከብ ዩኒቨርስቲ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ሓይልታት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ኣምሓራን ዝፈፀሙዎ ገበናት ኲናትን ውፂኢቱን፡ ብጥምየትን ብሰኣን ሕክምናን ልዕሊ 500 ሽሕ ህዝቢ ትግራይ ከምዝሞተ ዕላዊ ጌይሩ ነይሩ።

ነዚ ጸብጻብ ከም መበገሲ ተጠቒማ ሳይንቲስት ኮምዩተር ዝኾነት ትውልደ ኤርትራዊት ዶ|ር ትምኒት ገብሩ ኣብዝሓለፍ ሰሙን ተዛሪባ ከምዝነበረት እውን ይዝከር።

እንተኾነ መንግስቲ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ኲናትን ንዑ ሲዒቡ ዝመፀ ሰብ ስራሕ ሓደጋ ጥምየትን ክንደይ ዝኣክል ሰብ ከምዝሞተ ዕላዊ ፀብፃብ ዘይምውፅኡ ብዙሓት ይነቕፉዎ።