ኩነታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ እናኸፍአ ይኸይድ ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።

ብውሳነ ባይቶ ሰብኣዊ ምሰላት ዝተጠየሸ ጉዳይ ሰብኣዊ መስላት ኤርትራ ዝኸታተል ፍሉይ ራፖርተር ኩነታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ እናከፈአ ይኸይድ ከምዘሎ ሓቢሩ።

እቲ ፍሉይ ራፖርተር ካብ 29 ሚያዝያ 2021 ክሳብ 22 ሚያዝያ 2022 ዝግበሮ ምርመራ ፀብፃብ ዘቅረበ እንትኸውን ኣብቲ ፀብፃብ ዝተገበረሉ እዋን ዝኮነ ይኹን ምምሕያሻት ከምዘይተራኣየን ኩነታት ብግልባጡ ግህሰት ሰብኣዊ ምሰላት ኤርትራ እናተጋደደ ይኸይድ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ፀብፃብ ኣብ ኤርትራ ሐዚ እውን ግዱድ ውትድርና ከምዘሎን ኣብ ልዕሊ ኣብ ሳዋ ወታደራዊ ስልጠና ክወስዱ ዝግደዱ ተምሃሮ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዓመፅን ከምዝበጽሖም ሓቢሩ።

እቲ ፍሉይ ራፖርተር ኣብ ቀረባ ኣብ ኤርትራ በፂሑ ዝተመለሰ ኤርትራዊ ብምዝርራብ ከምዝሓበሮ እተኾይኑ ጎደናታት ኤርትራ ጽምዋ ሰፊንዎም ሰብ ከምዘይራኣይን ነባሪ እቲ ከተማ ብፍርሒ ተሸሚሙ ደገ ንምውጻእ ከምዝሰግእን ህፃውንቲ ከይተረፈ ብግፋ ከምዝውሰዱ ገሊጹ።

ካብዚ ብተወሳኪ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰልን ዝሕልውን ዝኸታተሉን ትካላት ኣመልኪቱ ምንም ምምሕያሽ ኣይገበረትን ዝተባሃለ ኮይኑ ኤርትራ ልዕልነት ሕጊ ዘይብላ እቲ ናይ 1997 ዓ/ም ፈ ሕገ መንግስቲ ናብ ተግባር ዘይሸረፋላ ዓዲ ከምዝኮነት ኣብሪሁ።

ብተመሳሳሊ ኤርትራ ኣብ መንጎ ኣካላት መንግስቲ ክፍፍል ስልጣንን ባይቶን ከምዘይብላ ዝሓበረ እቲ ፀብፃብ ብስንኪ እዚ ድማ ፍትሕን ተሓታትነትን ንምርግጋፅ ከቢድ ከምዝገብሮ ሓቢሩ።

ብናፅነት ናይ ምውዳብ፤ ሓሳብ ናይ ምግላፅን ምሓዝን ናፅነት ኣብ ኤርትራ ሐዚ እውን ዘይሕሰብ እዩ ዝብለ እቲ ራፖርተር ብኣሸሓት ዝቑፀሩ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ኣባላትን ደገፍቲን ፖለቲካዊ ተቋውሞ፣ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰልን ጋዜጠኛታትን ብምእሳርን ብምስዋርን ናይ ተቋውሞ ድምፂ ብሜላ ክጭፍለቕ ከምዝግበር ኣረዲኡ።

ኤርትራ ኣባልነት ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሑቡራት ሃገራት ተጠቂማ ነቲ ኣብ ትግራይ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዛዕባ ጌሩ ዝተገበረ ምፅራይ ከምዝተቋወመት እውን ኣፍሊጡ።

ብተውሳኪ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2021 ኣቆጻጽራ ፈረንጂ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጹ ዝፀዎዖን ከምኡ እውን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2021 ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ስዒቡ ዝተፈፀሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ጥሕሰት ዓለም ለኻዊ ሕግታትን ኣመልኪቱ ዝምርምር ኣህጉራዊ ኮሚሽን ክኢላታት ንከይጣየሽ ኣድሚፃ እያ።

ኣብቲ መፅናዕቲ ዝተገበረሉ ሓደ ዓመት ውሽጢ ሰራዊት ኤርትራ ምስ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ሽሙ ብተደጋጋሚ ተልዓይሉ እዩ ዝብለ እቲ ፍሉይ ራፖርተር መንግስቲ ኢትዮጲያ ካብ ትግራይ ወፂኤ እየ ድሕሪ ምባሉ እውን ሰራዊት ኤርትራ ተመሊሱ ናብ ትግራይ ብምእታው ኣብ ሰሜንን ሰሜን ምዕራብ ትግራይን ከምዝነቆጠ ገሊፁ።

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኢሉ እውን ኣብ ገበን ኲናትን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊነት ዝፍፀሙ ገበናት ከምዝፈፀመ ብዙሕ መረዳእታታት ከምዘለው ኣብ ፀብፃቡ ዝሓበረ እቲ ፍሉይ ራፖርተር እቶም ብሰራዊት ኤርትራ ዝፍፀሙ ገበናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ሐዚ ኣብ ትግራይ እናወሰኹ ይኸዱ ከምዘለው ሓቢሩ።

ካብዚ ብተወሳኪ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ዝኣትው ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ኮነ ኢሎም ኣብ ምዕጋትን ምዕፃውን ከምዝተሳተፉ እቲ ሪፖርት ዝሓበረ እንትኸውን ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይኣትው ዓሊሙ ብኣንፈት ዓፋርን ምዕራብ ትግራይን ዕፅዋ ከምዝፈፀሙን ሓገዝ ከይሓልፍ ከምዝዓገቱን ኣቃሊዑ።

እቲ ፍሉይ ራፖርተር ኣብ ትግራይ ንዝተፈፀመ ገበን ከምኡ እውን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እገዳ ከምዝተገበረን ሐዚ እውን ተውሳኺ ማዕቐብ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ትካላትን ዘነፃፀረ ክግበር ከምዝድግፍ ገሊፁ።