ኢትዮጵያ ካብ ቅልውላው ኲናት ክትወፅእ እንተደኣኮይና ህወሓት ካብ መዝገብ ግብረ ሽበራ ክትስርዞ ኣለዋ ተባሂሉ።

ኢትዮጲያ ካብቲ ሐዚ ዘላትሉ ፖለቲካውን ወታደራውን ቅልውላው ንምውፃእ መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝወስዶም ስጉምትታት ወሰንቲ ከምዝኮኑ ኣፍሪካን ኣርጊመን ዝተባሃለ ጋዜጣ ፀብፂቡ።

ኢትዮጲያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ከቢድ ወታደራዊን ፖለቲካዊን ቅልዋልው ተሸሚማ ከምዘላ ዝሓበረ ኣፍሪካን ኣርጉመንት ዝተበሃለ ጋዜጣ ካብቲ ሐዚ ዘላትሉ ኩነታት ንምውፃእ ብፌደራል መንግስቲ ዝውሰዱ ስጉምትታት ወሰንቲ ከምዝኮኑ ሓቢሩ።

ኣብቲ ኣብ ኢትዮጲያ ዝግበር ዘሎ ኲናት ብዙሓት ወገናትን ዝሳተፍሉን ሕልኽላኽ ዝበዘሖን ከምዝኾነን ብሰንኪ እዚን ኣብ ሞንጎ እቶም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ወገናት ዘሎ ዘይምትእምማን ናይ ሰላም ዘተ ክዝንግዕ ከምዝኸኣለ ገሊፁ።

ብምኳኑ ድማ ምትእምማን ንምፍጣርን እታ ሃገር ካብቲ ሐዚ ተሸሚማቶ ዘላ ቅልውላው ክትወፅእን መንግስቲ ፌደራል ህወሓትን ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞን ካብ ግብረ ራዕድነት ከውፅእን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘንበሮ ዕፅዋን ክባን ከልዕልን ከምዝግባእ ኣብሪሁ።

ካብዚ ብተወሳኪ መንግስቲ ኢትዮጲያ ከካይዶ እየ ዝብል ዘሎ ሃገራዊ ዘተ ንኩሉ ዘሳተፍን ካብ ወገናውነት ናፃ ዝኮነን ክገብሮ ከምዝግባእን እዞም ስጉምታት ትርጉም ዘለዎ ለውጢ ከምዘምፅኡ ድማ ኣረዲኡ።