ፌስቡክ ብትግርኛ፣ ኣምሓርኛን ኣፋን ኦሮሞን ዝቐርቡ ዘረባታት ፅልኢ ክመሚ ኣይክኣለን።

ኩባንያ ፌስቡክ ብትግርኛ ብኣምሓርኛን ኣፋን ኦሮሞን ዝተልኣኹሉ ፅልኢ ዝገልፁ፣ ናዕብ ዝቕስቅሱን ክብሪ ሰብ ዘናእሱን መልእኽትታት ካብ ካልኦት ሓሳብ ናይ ምግልፅ መሰል ዘርእዩ መልእኽታት ክፈሊ ብዘይምኽኣሉ ዳግም ፈተና ከምዝወደቐ ተሓቢሩ።

ግሎባል ዊትነስን ፎክስ ግሎቭን ዝተባህሉ ትካላት 12 መልእኽታት ፅልኢ ብሰለስቲኡ ቋንቋ ኣዳልዮም ፌስቡክ ከም ‘’ማስታወቂያ’’ ከሕትመሎም ኣብ ዝልኣኹሉ ግዘ፣ እቲ ኩባንያ ድማ ኢትዮጵያውያን ዓማዊሉ ኣብ ዝከታተልዎም ገፃት ንኽጥቅዖም ከምዝተስማዕምዐ እቶም ኩባንያታት ከምዝሓበሩ ሚዲያ ኢንዲፐንደንት ፀብፂቡ።

እቲ ትካል ቅድሚ ሕዚ እውን ተመሳሳሊ ፈተነ ኣብ ማይናማር ተኻይድሉ ነቲ ፈተና ከምዝወደቐን ምትዕርራያት ክገብር ቃል ኣጥዩ ከምዝነበረን ይግለፅ። እንተኾነ ግን ክሳብ ሕዚ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ እዙይ ዝብሃል መሰረታዊ ወረጦ መእለይ ዘረባ ፅልእታት ከተኣታቱ ኣይክኣለን ተባሂሉ።

እቶም ናብ ፌስቡክ ዝተልኣኹ መልእኽታት ፅልኢ፣ ሰለስቲኦም ብሄራት ነንባዕሎም ዘናኽሱን እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ዝፀልእ ምዃኑ ዘርእዩ ዝነበሩ እንትኾኑ፣ ኣብ መወዳእታ ግን ኣይትሓተሙን። ውዕሊ ምስ ተፈፀመ፣ እቶም ነቶም መልእኽቲ ዘዳለዉ ትካላት ንኸይጥቃዕን ንፈተነ ዝገበርዎ ምዃኑን ምስ ገለፁ ክቐሪ ተገይሩ እዩ።
ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኮነ ካልኦት ከምቲ ብተግባር ኣብ ፌስቡክ ዝርአ ጆኖሳይድ ዝእውጁ መልኽእታት ዝነበርዎ ከምዝኾነን ፌስቡክ ዕሽሽ ዝብሎም ከምዝኾነን በቲ ፈተነ ከምዝተረጋገፀ እቲ ፀብፃብ የመልክት።

ፌስቡክ ንተጋሩ ካንሰርን ፃህያይን ዝብል ዘረባ ፅልኢ ቀዳማይ ሚኒስትር ብዘይምንም ክልከላ ከምዝለጠፈ እውን እቲ ፀብፃብ የርኢ። እዙይ ድማ ድሕሪ ኣብ ማይናማር ዝተኻየደ ጆኖሳይድ ፌስቡክ ሕዚ እውን ትምህርቲ ከምዘይወሰደ የርኢ ክብል ኣብ ዓዲ እንግሊዝ መደብሩ ዝኾነ ግሎባል ዊትነስ ይወቅስ።