ኢትዮጵያ ኣብ ወደብ በርበራ ዝነበራ ትሕዝቶ ተመንጢላ።

ኢትዮጵያ ኣብ ወደብ በርበራ እትውንኖ ዝነበረት 19 ሚእታዊ ትሕዝቶ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝተመንጠለት ንመንግስቲ ሶማሊ ላንድ ብምጥቃስ ዘ ሪፖርተር ፀብፂቡ።

እቲ ኢትዮጵያ ዝተመንጠለቶ ትሕዝቶ እቲ ወደብ ብ2017 ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ዲፒ ወርልድን ሶማሊ ላንድን ብዝተገበረ ስምምዕ መሰረት 19 ሚእታዊ እቲ ወደብ ኢትዮጵያ ክተልመዖን ክትጥቀመሉን ዝብል እዩ ነይሩ።

ኣቢ ኣሕመድ ድማ ኣብ ፅባሕ ካብ ወደብ በርበራ ኣብ ዝተሰጎጎትሉ ንጁቡቲ ዝገሸ ክኸውን ከሎ ምናልባት ውን ብዛዕባ ወደብ ንምዝርራብ ከይኮነ ከም ዘይተርፍ ተዓዘብቲ ይገልፁ።

ኢትዮጵያ ካብቲ ዘልመዐቶ ዝተባረረትሉ ምኽንያት፣ ዝግብኣ ገንዘብ ብዘይምኽፋላ ምዃኑ ሚንስትሪ ገንዘብ ሶማሊላንድ ገሊጹ።

ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ካብ ዝእውጅ ናብዚ ቁጠባውን ዲፕሎማሲያውን ዓቕማ ዝተዳኸመት መፃውቲ ከም በዓል ጂቡትን ሶማሊላንድን ዝበላ ሃገራት ኮይና ከምዘላ ዝፍለጥ እዩ።

ጅቡቲ፡ ንኢትዮጵያ ዝቅጽሉ 15 ዓመታት ካልእ ወደብ ንከይትጥቀም ዘኽእል ስምምዕነት ፊርማ ክትፍርመላ ጠለብ ዋላ እኳ እንተቕረበት ኢትዮጵያ ግን ንዓሰብ ፍሉይ ቆላሕታ ሂባ ትሰርሕ ከምዘላ ተዓዘብቲ ይገልፁ።