ኣብ ጆኖሳይድ ትግራይ ላዕለዋይ ኢድ ዘለዋ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ንጠቕላሊ ቤተ ክህነት ትግራይ ዘየካተተ 95 ሚልዮን ብር መዲባ።

ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፡ ዝሓለፈ 18 ግምቦት 2014 ዓ/ም ብመሰረት ዘፅደቖ ውሳነ ብወቕታዊ ፀገማት ንዝተጎድኡ ወገናት ብዝብል 93 ሚልዮን ብር ወፃኢ ኮይኑ ንኣህጉረ ስብከታት ክከፋፈል ከምዝወሰነ ናብ ትሕዝቶን መምርሒ ሒሳብን እቲ ሲኖዶስ ዝተልኣኸ ደብዳበ የመላኽት።

ኮይኑ ግና እቲ ካብ ምእመናን ተኸተልትን ኦሮቶዶክስ ተዋህዶ ተጋሩ ሓዊሱ ዝተዋህለለ ገንዘብ እታ ቤተክርስቲያን ንትግራይ ዘይሓወሰ 49 አህጉረ ስብከታት ኢትዮጵያ ክከፋፈል ወሲኑ ኣሎ።

ከምቲ ዝፍለጥ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ካብ ሃይማኖታዊ ተልእኾ ወፃኢ ከምቲ ልሙድ ንፖሎቲካዊ ዕማማት ስርዓታት ኢትዮጵያን ልዕልነት ኣምሓራውነትን እትሰርሕ ኣብ ጥፍኣት ትግራይን ትግራዋይነትን ክትህነፅ እትብህግ ትካል እያ።

እዚ ንነዊሕ ዘበናት ባህሊ፣ ስርዓተ ክብርታት፣ ቋንቋን ስነ ልቦናን ትግራይ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ዝሓለፍ 30 ዓመታት ብስመ ኢትዮጵያ ብኣምሓራውነት ክወሓጥ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ዝለዓለ ፖሎቲካ ዕማማት እንዳሳለጠት መፂኣ እያ።

መቐፀልታ ናይዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ነጋሪት ኲናት እንትህረም ወዮ ኣካልና እያ ዝብልዋ ትግራይ መሬት መንጢላትና፣ ዋልዱባ፣ ራያን ወልካይትን ናትና እዩ ኢሎም ካብቶም ኣዳኸርትን ኣጆኹም በሃልትን መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ቀዳምነት ይጥቀሱ።

ቀፂሉ እውን ኣብ ልዕሊ እቲ እንጓስዮ ኢና፣ መእመና እዩ ዝብልዎ፣ ግን ከኣ ዘይናቶም ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ፡ ብምድርን ሰማይን ኣብ ልዕሊኡ ኲናት እንትእወጅን ኣብ ልዕሊኡ ሓዊ እንትፈስስን ዓገብ ክብሉ ኣይተርኣዩን።

እኳ ደኣስ ኣብ ጎኒ ወረርቲ ኣለና ብምባል፣ ነቲ ናብ ትግራይ ዝዘመተ ኣራዊት ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣምሓራን ኤርትራን ኣጆኻ ብምባል ስንቂ ኣስኒቖምን መሪቖምን እንትስንዩዎ ተዓዚብና ኢና።

ከምኡ እውን በቶም ናብ ትግራይ መሪቖም ዝሰደድዎም ወረርቲ መእመናን ብጅምላ እንትድፈራ፣ ብጅምላ እንትቕተሉ፣ ገዳማትን ኣብያተ ክርስቲያንን ብቁምቡላን ከቢድ ብረትን እንትሕረሳ ብሒም ዘይበለት ትካል እያ።

ብተወሳኺ ካብ ኣራት ኪሎ ክሳብ ኣውሮፓን ኣሜሪካን ዝተዘርገሐ ብሽም ኣህጉረ ስብከታትን ማሕበረ ቅዱሳንን ዝተዘርገሐ መሓውራት እታ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ኣብ ኩሉ ዓይነት ጆኖሳይድ ዘካይድ ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘየቋርፅ ንዋታውን ገንዘባውን ሓገዝ ኣበርኪታ እያ።

ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ኣቦና ብፁእ ወ ቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትግራይ ብስርዓታት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ኣምሓራን ዝተፈፀመ መስካሕከሒ ግፍዒ ከይዛረቡ ምእንታን ንኣዋርሕ ከምዝተዓፈኑን ዝተዛረብዎ ከይመሓላለፍ ከምዝገበረትን ሶሊኹ ወፂኡ ብመንገዲ ቲኤምኤች ኣብ ዝተመሓለፈ ቪድዮ ከምዝተዛረቡ ይዝከር።

ከምኡ እውን ንኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ናትና እያ ኢሎም ንዓመታት ብዝተፈላለየ ፀፍሒ ሓላፍነት እናገልገሉዋ ዝነበሩ ኣሽሓት ካህናት፣ ፈለስትን ዲያቆናትን ብትግራዋይነቶም ተሓርዮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም እዮም።

ቀፂሉ እውን ብዘይዝኾነ ምኽንያት ብዘይ መሃያ ካብ ሓላፍነቶም ክባረሩን ቦታኦም ብካልኦት ብሄራት ክተሓዝ ተገይሩ እዩ።

ከምኡ እውን ብመንገዲ መስራቲ ማሕበረ ቅዱሳንን ኣማኻሪ ስርዓት ኢትዮጵያን ዲያቆን ዳኒኤል ክብረት፡ እዚኦም ክጠፍኡ ዘለዎምን ዳግማይ ኣብዛ መሬት ከይቦቕሉ ክንገብር ኣለና ብምባል ኣብ ልዕሊ ትግራዋይ ዘለዎ ፅለኣት ዝገለፀሉ ብመንግስታዊ ማዕኸናት ዜና ተዘርጊሑ እዩ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ቤተ እምነት ናብ ፈጣሪ ፀሎት ከቕርብ ዝተኣከበሉ መእመናን ብመራሕቲ ሃይማኖት ኣምሓራ ንተጋሩ ክትፈርሑ የብልኩምን ኣብ ከባቢኹም ዘለዉ ፀራሪግኩም ኣባሪርኩም ከባቢኹም ኣኽብሩ ክብሉ ብመጋዉሒ ድምፂ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ምብራቕ ሃረርጌን ጅግጅጋን ኣባ መቃርዮስ ብብደዐ ተዛሪቦም።

ቀፂሎም እዉን ሰሜን ጎንደር ዓዲ ጀጋኑ እዩ ንጁንታታት ኣይትፍርሑ ተዓጢቕኩም ኣብ ዓዲ ኣርቃይ፣ ዛሬማን ቆላ ወገራን ዘለዉ ፀራርግዎም ብምባል ህዝቢ ንኲናት ክለዓዓል ኣዚዞም እዮም።

እዚ ጥራሕ ኣይኮነን “ገዳም ዋልድባ ናትና እንድዩ” ብምባል ዋልድባ ንትግራይ ኣረኪቡ ኣብዚ ዕንይንይ ዝብልን ስዋ እናጨለጠ ዝዉዕልን ኣምሓራይ ክህሉ የብሉን ክብሉ ነቲ ጥንታዊ ገዳም ተጋሩን መንበሪ ገዳም ፈለስቲ ተጋሩን ዝኾነ ገዳም ንምጉባጥ ባህጊ በሊዑ ዘይፀግብ ተስፋሕፋሓይ ኣምሓራ ኣንፀባሪቖም።

ብምዃኑ ድማ መራሕቲ ሃይማኖት ኣህጉረ ስብከት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ፡ ኣብያተ እምነት ትግራይ ብወረርቲ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን እናተቓፀለን መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ኣብ ኣብያተ መቅደስ እናተሓረዱን ስቕታ ዝመረፀ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ንትግራይ ዝመርሐሉ ሃይማኖታዊን መንፈሳዊን ቅቡልነት ከምዘይብሉ ሓቢሮም እዮም።

ስለዝኾነ እውን ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ፡ ምስታ ንዘበናት ኣብ ጥፍኣትና ደው ዝበለት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣይንቕፅልን ብምባል ዓርሱ ዝኸኣለ ጠቕላሊ ቤተ ክህነት ትግራይ ከምዘጣየሸትን ዕላዊ ስራሕ ከምዝጀመረትን ምግላፃ ዝዝከር እዩ።