“መራሕቲ ትግራይ ሕቶ ወልቃይት ብከይዲ ክገድፍዎ ከምዝኽእሉ ምልክታት ኣለዉ’’ ክብል Le Monde ፀብፂቡ።

ነዚ ስዒቡ ”መሬትና ክነምልስ ኢና፣ ነቲ ፅሑፍ እውን መልሲ እውን ክንህበሉ ኢና” ክብሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

እቲ ኣብ ፈረንሳይ ፍሉጥ ዝኾነ መዓልታዊ ዝሕተም ጋዜጣ ሌ’ሞንዴ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዘለዉ ዲፕሎማሰኛታት ረኺበዮ ብዝበሎ ሓበሬታ መሰረት ‘’መራሕቲ ትግራይ ሕቶ ወልቃይት ኣብ ከይዲ ቀስ እንዳበሉ ክገድፍዎ ከምዝኽእሉ ምልክታት ኣለዉ’’ ክብል ኣቃሊሑ ምንባሩ ይዝከር።

ንኽፍሊ ኣፍሪካ እቲ ጋዜጣ ወኪሉ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝፅብፅብ ጋዜጠኛ እቲ ትካል ከምዝፅሓፎ፣ ኣብ መንጎ መንግስቲ ትግራይን ኢትዮጵያን ኣብ ከባብታት መወዳእታ ወርሒ ሰነ ኣብ ታንዛንያ ከተማ ኣሩሻ ምይይጥ ክካየድ ከምዝኽእል ፍንጪ ከምዘሎ ይሕብር።

እቲ ከይዲ ድርድር ቅርፂ እንዳሓዘ እንትኸይድ ክልቲኦም ወገናት ነናይ ባዕሎም ሓሙሽተ ኣባላት ዘለውዎ ተደራዳራይ ጉጅለ ሒዞም ንኽመፁ ትፅቢት ከምዝግበር ድማ ይገልፅ።

በቲ ብምዕራባውያን ዝድገፍ ኣባሳንጆ መሪሕነት ዝሳለጥ ዘሎ ዕፅው ድርድር ክልቲኦም ተፃባእቲ ሓይልታት ቀዋሚ ዝኾነ ተፃብኦ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ ንኽገብሩ ይስራሕ ከምዘሎ ዝገለፀ እቲ ጋዜጣ፣ ‘’እንድሕር ድኣ እቲ ስምምዕ ምእታው ሰብኣዊ ሓገዝን ምምላሽ መሰረታዊ ኣገልግሎትን ዝሳኻዕ ኮይኑ፣ ጉዳይ ግዝኣት መሬት ከምዘይልዓል ወይ ኣካል እቲ ምይይት ከምዘይኸውን’’ የረድእ።

ትማሊ ኣምስዩ ግን ኣማኻሪ ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዝኾኑ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ”ብሰላም ኮነ ብሓይሊ፣ ግዝኣት ትግራይ ክነምልስ ኢና” ክብሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዕላዊ ገይሮም እዮም። ብተወሳኺ እውን ”ነቲ ጉዳይ ዕላዊ መንግስታዊ መግለፂ ከም ዝህብሉ” ቃል ኣትዮም።