‘’ያበለ’’- ነባር ባህላዊ ሜላ ልውውጥ ሓበሬታ!

ሕብረተሰብ ትግራይ ከም ኩሉ ሕብረተሰብ ዓለም ከምቲ ናይ ሎሚ ዘበናዊ መለዋወጢ ሓበሬታ ዝኾኑ መራኸብቲ ሓፋሽ ዘየብሉ እንከሎ ‘ውን ሓበሬታ ይለዋወጥ ነይሩ እዩ። ዝተፈላለዩ ሜላታት መለዋወጢ ሓበሬታ ክዓ ኣብ ጥቕሚ ይውዕሉ ነይሮም። መብዛሕትኦም ድማ ብኣካል ተራኺብካ ዝግበሩ ልውውጥ ሓበሬታ ኮይኖም እዮም ፀኒሖም።

ሎሚ እውን እንተኾነ መብዛሕትኡ ህዝብና ኣብዚኦም ተደሪኹ እዩ ሓበሬታ ዝለዋወጥ። ሰብ ኣብ መንገዲ፣ ፀበል፣ ኩስሚ፣ ኣብያተ እምነት፣ ዕዳጋ፣ መርዓ፣ ተስካር፣ ቀብሪ፣ ካልኦት ተጓንፎታት ሓዘንን ሓጎስን፣ ወዘተ እንትራኸብ ሓበሬታ ይለዋወጥ ነይሩን ኣሎን። ብስሩዕ ሓበሬታ ከብፅሑ ብዝልኣኹ ሰባት (ጦፈኛታት) እውን ይካየድ ነይሩ። ነቲ ሓበሬታ ከይጠፍኦም ንውልቆም እንዳደገምዎ ድማ ይጓዓዙ። “ዘመድ ጥየቓ’’ እውን ሓደ ኣካል መለዋወጢ ሓበሬታ እዩ ነይሩን ዘሎን።

ኣቃብሩና ወይ ክዓ ‘’መርድእ ንሓፋሽ’’ እኳ ክሳብ ሎሚ ዝካየድን መብዛሕትኡ ግዘ ድማ ኣካላዊ ምርኻብ ዘየድልዮን እዩ። ሰባት ኣብ ጎቦ ወይ ነዊሕ ዱር ተሰቒሎም ንዓዲ ‘’ብምእዋይ’’ የርድእዎ፣ ህዝቢ ዝሞተ ክቐብርን ብፅሖ ክበፅሕን ፃውዒት የቕርቡ። እውይይይ ‘’ኣያ እገለ ዓሪፍም፣ ፅባሕ ንጉሆ ኣቃብሩና ይብልኹም ኣለዉ እንዳ እገለ’’ ይብሉ ዓው ኢሎም። ኣብ ከተማ ድማ ብጥሩምባ።

ሽም ዝተዋህቦም ዓይነት ባህላዊ ዝኾኑ ከይዲ ልውውጥ ሓበሬታ (cultural or indigenous communication systems) እውን ኣብ ካልእ ሕብረተሰብ ከም ንረኽቦ ኩሉ ኣብ ትግራይ እውን ይርከቡ እዮም። ከም ትፈልጥዎ ዓፋሮቶት ‘’ዳጉ’’ ዝብሃል ባህሊ ልውውጥ ሓበሬታ ኣለዎም። ብስርዓት ዳጉ ዓፋሮቶት ኣብ መንገዲ እንትራኸቡ ካብ ሰላምታ ቐፂሉ ዘዝፈልጥዎ ሓበሬታ ብዘይ ሓሶትን ምዝባዕን ምልውዋጥ እዩ። ሓደ ነቲ ኻልእ ‘’ወረ ታበ’’ ወይ ድማ ‘’እንታይ ወረ ኣሎ?’’ ኢሉ ይሓቶ። በዚ መሰረት ኣብ መንገዲ፣ ኣብ ዕዳጋ፣ ኣብ ጉዳይ፣ ወዘተ ዝተራኸቡ ሰባት ዘዝፈልጥዎ ሓበሬታ ብዛዕባ ብዙሕ ነገር ብስርዓት ይለዋወጡ። ብኸምኡ ክዓ ፃምእ ሓበሬታ ይምላእ።

ኣብ ትግራይ እውን ከምዚ ዝኣመሰሉ ባህላዊ ዝኾኑ ከይዲ ምልውዋጥ ሓበሬታ ኣለዉ እዮም። ካብኣቶም እቶም ክልተ ‘’ዋርሲም’’ን ‘’ያበለ’’ን ዝብሃሉ ይርከብዎም። ዋርሲም ብቋንቋ ኢሮብ ኮይኑ ህዝቢ ኢሮብ ዝጥቀመሉ ከይዲ ልውውጥ ሓበሬታ እዩ። ‘’ያበለ’’ ድማ ኣብ ተዛረብቲ ትግርኛ ንረኽቦ ካብቲ ተመዝጊቡ ዝርከብ ሓደ ባህላዊ ልውውጥ ሓበሬታ እዩ።

‘’ያበለ’’ ወይ ክዓ ‘’በለያ’’ ክልተ ዓውዲ ዘለዎ ሜላ ልውውጥ ሓበሬታ እዩ። እቲ ሓደ ታሪኻዊ እንትኸውን፣ እቲ ካልኣዋይ ድማ ሞያዊ እዩ። እቲ ታሪኻዊ ዓውዱ ብቐጥታ ምስ ቀዳማይ ወያነ ዝተትሓሓዘ እዩ። ‘’ያበለ’’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ከይዲ ልውውጥ ሓበሬታ ብሰፊሑ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ ብ1936 ዓ/ም ሓረስቶት ራያ፣ እንድርታ፣ ኣፅቢ፣ ክልተ ኣውላዕሎ፣ ተንቤን፣ ወዘተ ኣንፃር ሃፀይ ሃይለስላሰ ቀዳማይ ወያነ ተባሂሉ ብዝፍለጥ ዕጥቃዊ ቃልሲ እንትዕምፁ፣ ኣብ ቃልሲ (resistance) ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ሜላ ልውውጥ ሓበሬታ እዩ።

ሰራዊት ስርዓት ሃይለስላሰ ኣብ ዝበፅሓሉ ዓዲ፣ እቶም ሓረስቶት ብኣቦ ገረባት ብስምምዕ ብዝወረደ መምርሒ መሰረት ዝተወሰኑ መልእኽተኛታት ለይቲ ኣብ ጫፍ ብርኽ ዝበለ ወይ ጎቦ ወፅዮም ሽግ ወይ ድማ ችቦ የብርሁ። እዙይ ማለት ‘’ሰራዊት ፀላኢ መፅዩ ኣሎ እሞ ህዝቢ ዓርሱ ክከላኸል ይዳሎ፣ ውፁ ንዋጋእ’’ ከም ማለት እዩ ነይሩ። ካብኡ ‘’ንማዕዶ ዓዲ እውን ኣፍልጥዎም’’ እንዳተባህለ ንብዙሕ ከባቢታት ትግራይ ብኸምዚ ሓበሬታ ይበፅሖ። ነዙይ ዝበርሀ ችቦ ወይ ሽግ ዝርኣዩ ቁሸታትን ዓድታትን ‘’ዓዲ ኹስቶ እኮ ፀላእቲ መፅዮም በለ (ያበለ፣ በለያ) ንዑ ንውፃእ፣ ንኺድ ድኣ’’ እንዳተበሃሃሉ ናብ ውግእ ይኸዱ ነይሮም።

እቲ ካልእ ዝጥቀምዎ ዝነበሩ ሜላ ልውውጥ ሓበሬታ ድማ ብጣዕሚ ቁልጥፋት ኣፍራስ (ፈረስ) እንዳጋለብካ ዓዲ ብሙሉኣ ሓበሬታ ክተረክብ ምግባር እዩ። ዝተወሰኑ ጋለብቲ ፈረስ ናብቲ ማዕዶ ዘሎ ዓዲ ጋሊቦም ሓበሬታ ምስ ኣብፅሑ፣ ኣብታ ዝበፅሑላ ዓዲ ዘለዉ ሰብ ፈረስ ድማ ናብቲ ቀፂሉ ዘሎ ዓዲ ነቲ ሓበሬታ የሳግሩ። እምበር እቶም ካብ ዝኾነ ዓዲ ዝተበገሱ ንኹሉ ከባቢ ክነግሩ ኣይቕንዩን። ኣብቲ ችቦ/ሽግ ወሊዕኻ ‘’ፀላኢ መፀ’’ ዝብሃለሉ እውን ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ እንዳተቐባበሉ እዮም ዝኸዱ እምበር ካብ ወጀራት ተላዒሉ ንመቐለ ሓደ ሰብ ኮነ ጉጅለ ኣይጉዓዝን።

ኣብዚ ርእሰ-ጉዳይ ዝርዝር ታሪኽ ንግዚኡ ኣፅንሕና ብሓፈሻ ክብሃል ዝኽእል ‘’ያ’በለ’’ ወይ ድማ ‘’በለያ’’ ማለት ‘’ከምኡ እንተተባሂሉ (ሓዊ እንተበሪሁ፣ ፈረሰኛታት እንተነጊሮምኹም) ሰራዊት ፀላኢ መፅዩ ኣሎ ማለት እዩ፣ ተዳለዉ፣ ተኸላኸሉ፣ ዓድኹም ሓልዉ፣ ወፂኹም ተዋግኡ’’ ዝብል መልኽቲ ቃልሲ ብቐዳማይ ወየንቲ ኣብ ጥቕሚ ዝውዓለ ታሪኻዊ ልውውጥ ሓበሬታ እዩ ነይሩ።

እቲ ካልኣይን ሞያዊ ትርጉሙ ዘትሕዞን ድማ ስፍሕ ዝበለን፣ ጠቕላላ ተዛረብቲ ትግርኛ ዝብልዎን እዩ። እዙይ ክዓ እቲ ዓንዲ ሑቐ ጋዜጠኝነት ዝኾነ ምግላፅ ፍልፍል/ምንጪ ሓበሬታ ዘዘኻኽር እዩ። ሚዲያ ኩሉ ድልየት ዘለዎ ክጥቀመሉ ዝኽእል መትረብ እዩ። እቲ ሓደ ንስርፀት ፕሮፖጋንዳ፣ እቲ ካልእ ንመዘናግዒ፣ ብክዮው ድማ ንሃይማኖት፣ ወይ ድማ ኻልእ።

ጋዜጠኝነት ዝትግብሩ ሚድያ፣ መፍለጢኦም ዜና፣ ሓተታ ዜና፣ ቅጥዒ ዘለዎ ሚዛኑ ዝሓለወ ዶክሜንትሪ፣ ቃለ መሕትት፣ ወዘተ እዩ። እዚኦም ኒውስ ሚዲያ ንብሎም። እዞም ዓይነታት ሚዲያ ትኽክለኛ ምንጪ ሓበሬታን፣ ሓላፍነት ክወስድ ዝኽእል ፍልፍልን ይፀርሑ። ፍልፍል ሓበሬታ (source) ምፅራሕ ድማ ኣብ ጋዜጠኝነት ካብቶም ቀንዲ ወሰንቲ መስርሓት ሓደ እዩ።

ምንጪ ዘይጥቀሰሎም ኩነታት ውሑዳት እዮም። ክተረጋግፆም ትኽእል፣ ከም ፍሉጥ ሓቂ ጌርካ ትወስዶም ነገራት ኢኻ ብዘይ ምንጪ ተቕርቦም። ንኣብነት ‘’ህዝቢ ትግራይ ሸሞንተ ሚልዮን ምዃኑ መንግስቲ ትግራይ ገሊፁ’’ እንዳበልካ ዓገግ ኣይትብልን። ሓንሳብ ብወግዒ ምስ ተገለፀ፣ ድሕሪኡ ከም ሓበራዊ ሓቂ ወሲድካ ኢኻ ትጥቀመሉ። ዩኒቨርሲቲ መቐለ ስለስተ ሽሕ ሰራሕተኛ ከምዘለዎ ነበር ፕረዚደንት እቲ ትካል ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት ሓቢሮም እንዳበልካ ኣይትደጋግምን። ዘጠራጥር ነገር እንተዘይሃልዩ፣ኣብ መዝገብ እቲ ዩኒቨርሲቲ ከይድካ ክተረጋግፆ ንትኽእል ነገር ምንጪ ኣይትጸርሓሉን።

ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ‘’ከምኡ ያ በለ’’ እንትብል ፍልፍል ሓበሬትኡ እዩ ዝገልፅ ዘሎ። ብፍላይ ብናይ ቀደም ትግርኛ ድማ ከምቲ ሎሚ ንሓስቦ ፎኪስ (ወረ) እንተይኮነስ ርዝን ዝበለ ትርጉም እዩ ነይርዎ። ‘’ዓዲ ኹስቶ ያ ከምዚ ኢሎም ኣለዉ’’፣ ‘’ኣቦይ ቀሺ ያ ከምኡ በሉ ተባህለ’’፣ ‘’ደጃት ኩስቶ ያ ከምኡ በሉ’’ እንዳተባህለ ከም ጥሉል ሓበሬታ ይውሰድ ነይሩ። ድሓር እኳ ‘’ድምፂ ወያነ እኮ ከምኡ በለት፣ ብሬድዮ እኮ ተነጊሩ እዩ፣ ኣይሰማዕኻን ዲኻ’’ እንዳተባህለ እውን ይዝረብ ነይሩ እዩ።

ኣብ ጋዜጠኝነት ዝትግብራ ሚዲያታት ከም መኹባዕቲ ሓበሬታ ዘፃርዩ፣ ንኽሓልፍን ዘይክሓልፍን ናይ መጨረሻ ውሳነ ዝህቡ ኣርታዕቲ ትሕዝቶ (gatekeepers) ኣለዉዎን። ‘’ያበሉ፣ በሉያ’’ ተባሂሉ ሓበሬታ ስለዝመጸ ጥራሕ ኣይሓልፍን። ከምኡ ድማ ኣብ ማሕበረሰብና ፍልፍል ሓበሬታ ካብ ቤላበሎ፣ ኢለን-በላ፣ ተራ ወረ፣ ወዘተ ንምፍላይ ‘’ዝድርበ ኣይኮነን ኩስቶ ያ እዮም ከምኡ ዝበሉ’’ ይብሃል እዩ። ብሓፈሻ ‘’ያበለ’’ ረዚን ሞያዊ ትርጉም ዘለዎ ኣገላልፃ ፍልፍል ሓበሬታ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ክንሕብረኩም ንፈቱ።

ስለዚ ሚዲያና ‘’ያበለ ሚዲያ’’ እንትንብሎ ካብዚ ተበጊስና እዩ። ኣብነት ባህላዊ ሜላ ልውውጥ ሓበሬታ ትግራይ ስለዝኾነ ንምዕቃብ፣ ኣብ እዋን ቃልሲ ብቐዳማይ ወያነ ግዘ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ ብምዃኑ ታሪኽነቱ ንምዝካር፣ ከምኡ ድማ ጠቐሜታ ፍልፍል ሓበሬታ ምግላፅ ንምርዳእ ዘኽእለና መበቆላዊ ፍልጠት ጋዜጠኝነት ስለዝኾነ መሪፅናዮ ኣለና። ግን ምኽንያት እንተዘይነብረና ነይሩ እውን ሽም ትካል ትርጉም ዘይክህልዎ ይኽእል እዩ።

ካብ ‘’ኣኽሱማይት’’ ናብ ‘’ያበለ’’ ዝቐየርናሉ ቀንዲ ምኽንያት ግን ምስ ደሕንነትና፣ ሕጋውነት ትካላና፣ ግዘን ካልኦት ነገራትን ዝተትሓዘ ብምዃኑ ንግዚኡ ምዝርዛሩ ኣየድልን። ነዙይ ክትርድኡልና እናሓተትና ድማ፣ ዓማዊልና ንኽትኮኑ ብኽብሪ ንዕድም ኣለና። ዳይ ሓቢርና ንመርሽ!!