ጆኖሳይድ ትግራይ ብደረጃ ዓለም ኣፍልጦ ክወሃቦ ይስራሕ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ጆኖሳይድ ትግራይ ብደረጃ ዓለም ኣፍልጦ ክወሃቦ ጥራይ ዘይኮነስ ገበነኛታት ግቡእ ፍርዲ ክረኽቡን ህዝቢ ካሕሳ ክወሃቦን ይስራሕ ከምዘሎ ኮሚሽነር ኮሚሽን መፅናዕቲ ጄኖሳይድ ትግራይ ተሓባባሪ ፕሮፌሰር የማነ ዘርኣይ ገሊፆም።

እቲ ዝካየድ ምርመራን ምርምርን ጆኖሳይድ ብዝበለፀ ኣዕሚቕካን ኣስፊሕኻን ንምቕፃል ኣብ ትሕቲ እቲ ኮሚሽን ማእኸላት መፅናዕቲ ሰብኣዊ ጉድኣት፣ ቁጠባ፣ ትሕቲ ቕርፂ፣ ማሕበራዊ፣ ከባብያውን ሃፍቲ ተፈጥሮን ከምዝተጣየሹ እቶም ኮሚሽነር ኣብሪሆም።

ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ መፅናዕቲ ንምክያድ ሕፅረት ሓይሊ ሰብ፣ በጀትን ቴክኖሎጅን ግን ብቐሊሉ ክስራሕ ስለዘይኽእል መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት፣ ውልቀ ትካላት ንግዲ፣ ኢንቨስትመንትን ካልኦትን ሓገዝቲ ክኾኑ ፀዊዖም።

ኣብ ትግራይ ዝግበር መፅናዕቲ ጆኖሳይድ ክሳብ ወርሒ ሓምለ 2014 ዓ/ም ኣብ ዘሎ እዋን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተፈሊጡ።

እቲ ዝተፈፀመ ተግባራት ጀኖሳይድን ከይርስዑ፣ ከይድገሙን ከይቕፅሉን ብቐፃልነት ዓርሶም ዝኸኣሉ ሓወልትታትን ሙዝየማትን ክስረሓሎም ከምዝግባእ ተገሊፁ።

እቶም ዝተፈፀሙ ተግባራት ጄኖሳይድ መስካሕካሕትን ኣዝዮም ረቐቕትን ዓቕሚ ዓበይቲ ቴክኖሎጂ ዝሓቱን ገበናት ከምዝኾኑ ኮምሽነር የማነ ሓቢሩ።

ነዚ ድማ ኣብ ደገ ዘሎ ትግራዋይ፣ ፈታዊ ትግራይን ወፃእተኛታትን ክሳተፉ ከምዝግበር ኣረዲኦም።

ብምዃኑ እውን እቲ መፅናዕቲ ክሳብ ዝዛም ብጅምላ ናይ ዝተጨፍጨፉ ወገናት መካነ መቓብር ንመርትዖ ስለዝድለ ሐዚ ካብ ዘለዎ ቦታ ምንቅስቓስ ማለት ዝተደለየ መረዳእታ ምጥፋእ ስለዝኾነ ከይተልዓለ ኣብ ዘለዎ ቦታ ተዓቂቡ ንኽፀንሕ ስድራ ግዳይ ወገናት፤ መራሕቲ ሃይማኖትን መላእ ሕብረተሰብን ኣድላይ ምትሕብባር ክገብሩ እቶም ኮምሽነር ኣተሓሳሲቦም።