ኣብ ኤርትራ ኣስገዳድ ሃገራዊ ሃገራዊ ኣገልግሎት እንዳገደደ ምምፅኡ ሑቡራት ሃገራት ሓቢሩ።

ኣብ ኤርትራ ንኣስታት 20 ዓመት ዝቐጸለ ግዱድን “ገደብ-ኣልቦን ሃገራዊ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ቀንዲ ምንጪ ምግሃስ መሰላት” ከምዝኾነን ሕጂ እውን እንተኾነ “እቲ ኵነታት ርኡይ ምንቁልቋል” የርኢ ከምዘሎ ቢቢሲ ንፀብፃብ ሑቡራት ሃገራት ብምጥቃስ ኣቃሊሑ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንኣሽሓት ኣብቲ መንግስቲ ዘካይዶ ስርዓተ ግዱድ ስራሕ ክፅመዱ ተገዲዶም ከምዘለው እውን ተገሊፁ።

እንተኾነ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ፍሉይ ተኸታታሊ ኵነታት ሰባዊ መሰላት ኣብ ዓመታዊ ፀብፃቡ ንመደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምንቃፉ ቅቡል ኣይኮነን ብምባል ከምዝተቓወሞ ተፈሊጡ።

ኣብታ ሃገር ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝፀሩ ኤርትራውያን መንእሰያት ካብቲ ብዘይደሞዝ ወይ ብኣዝዩ ውሑድ መሃያ ዝኽፈሎም ሃገራዊ ባርነት ንምህዳም ኣማኢት ኣሽሓት ናብ ስደት ከምዘምርሑ ይፍለጥ።

ኤርትራ ነቲ ኣብ ትግራይ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዝፈፀመቶ ገበናት ኲናትን ንዓለም ዘሰምበደ ጆኖሳይድን ኣሉ ቀጣን ኢላ ከምዝኸሓደቶ ዝዝከር እዩ።