ልዕሊ 1.2 ሚልዮን መራሕቲ ስድራ ዘካትት መፅናዕቲ ገዛ ንገዛ ንምክያድ ይሰርሕ ከምዘሎ ኮምሽን መፅናዕቲ ጀኖሳይድ ትግራይ ኣፍሊጡ።

ካብዚ ብተወሳኺ 57 ሚእታዊ ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ዝርገሐ ፆታዊ መጥቃዕቲ ንምድህሳስ ኣብቲ መፅናዕቲ ከምዝሳተፋ ሓቢሩ
እቲ ኮምሽን ንልዕሊ 200 ሰብሞያ ናይ ኣሰልጠንቲ ስልጠና ኣብ ዝጀመረሉ መድረኽ ከምዝሓበሮ ኣብ 6 ሓራ ዝወፃ ዞባታት ትግራይ ዝካየድ መፅናዕቲ ኣተኣኻኽባ እቲ ሓበሬታ ብሞባይል ቴክኖሎጂ ከምዝካየድ ጠቒሱ።

ኮምሽነር ኮምሽን መፅናዕቲ ጀኖሳይድ ትግራይ ሓጋዚ ፕሮፌሰር የማነ ዘርኣይ ኣብ መኽፈቲ መድረኽ እቲ ስልጠና ከምዝሓበሮ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ዓለምለኻዊ ገበናት “ዝተማእዘነን ዓለምለኻዊ ዘማለአን ሕጋዊን ቴክኒካውን መለክዒታት ብምጥቃም ክፅናዕ” ዘድሊ ቅድመ ምድላው ምውጋኑ ተዛሪቡ።

እቲ ኮምሽነር ወሲኹ እቲ ፈላማይ ብርኪ መፅናዕቲ ሓራ ኣብ ዝወፃ 6 ዞባታት ትግራይ ንምክያድ ንኣተሓባበርቲን ኣከብቲ ሓበሬታን በቢብርኩ ስልጠና ከምዝወሃብ ብምሕባር ንዞባ ምዕራብ ሓዊሱ ሓራ ዘይወፁ ከባብታትን ካልኦትን ፍሉይ መስርሕ መፅናዕቲ ከምዝኽተል ኣረዲኡ።

ዳይሬክተር ግልጋሎት ሕጊ እቲ ኮምሽን ኣይተ ኣለም ኣብርሃ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ክፍፀሙ ዝፀንሑ ዓለምለኻዊ ገበናት ብሳይንሳዊ ሜላ ብምስናድ ፍትሒ ንምርግጋፅን ንትምህርቲ ወለዶታትን ንምብርካት ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪቡ።

ሜላ መፅናዕቲ ዝምልከት መብርሂ ዝሃበ ዳይሬክተር ማእኸል መፅናዕቲ ጉድኣት ማሕበራዊ ግልጋሎትን ክብርታትን ዶ/ር ጎይተኦም ተጠምቀ ኣብ ነፍሲወከፍ ስድራ ዝበፀሐ ሰብኣዊን ማሕበረ-ቁጠባዊን ጉድኣት ብገዛ ንገዛ ቆፀራ ከምዝፅናዕ ገሊፁ።

ፍሉይነት ባህሪ እቲ ዓውዲ ኣብ ግምት ብምእታው ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝምልከት ዝተፈለየ መፅናዕቲ ከምዝካየድ ዝሓበረ ዶ/ር ጎይተኦም ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ዘካተተ ዳህሳስ ክካየድ ምትላሙ ሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ 55 ሚእታዊ ልዕሊ 15 ዓመት ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ከምኡ እውን 2 ሚእታዊ ትሕቲ 15 ዓመት ህፃናት ከምዝሳተፋ ተዛሪቡ።

ኣብ ከይዲ እቲ መፅናዕቲ ዝምልከት ርኢቶ ዝሃበ መምህር ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ዶ/ር ኣብርሃ ገብሩ ኣገዳስነት እቲ መፅናዕቲ ብምጥቃስ ዘድሊ እታወታት ምእካብ ሓበሬታ ንምምላእ ክስረሐሉ ሓቲቱ።

ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነው ብወገኑ እዚ ትልሚ ዓብዪ ዕማም ከምዝኾነ ብምጥቃስ በቢብርኩ ዝርከብ ኣመራርሓ እዚ መፅናዕቲ ንህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ረብሓ ብምርዳእ ኣገደስቲ እታወታት ከማልእ ከምዝግባእ ተዛሪቡ።

መምህር ዩኒቨርሲቲ ራያ ኣይተ ተስፋይ ጎደፋይ እቲ ዕፅዋ ዝፈጠሮ ፅልዋ ተፃዊርካ ትኽክለኛ ሓበሬታ ንምእካብ ሞያዊ ዓቕሚ መሰረት ዝገበረ ኣተሓራርያ ኣከብቲ ሓበሬታ ክህሉ ከምዝግባእ ገሊፁ።

ዳይሬክተር ግልጋሎት ሕጊ እቲ ኮምሽን ኣይተ ኣለም ኣብርሃ እቲ መፅናዕቲ ብመጠናዊ፣ ዓይነታዊን ሕውስዋስን ሜላታት ስለዝካየድ ትኽክለኝነትን ወካላይነትን እቲ ውፅኢት ክዓቢ ከምዝገብር ሓቢሩ።

ኮምሽነር የማነ ዘርኣይ ብወገኑ ኣብ ከቢድ ኩነታት ዝካየድ መፅናዕቲ እኳ እንተኾነ ንፍትሒን ርትዕን ሓዊሱ ንረብሓታት ትግራይ ብዘለዎ ኣገዳስነት ምስ ምምሕዳር ዞባታት ትግራይ ብምርድዳእ ክንዲ ዝከኣል ዘድሊ እታወታት ንምምላእ ከምዝስረሐሉ ኣፍሊጡ።