ሆስፒታል ዓይደር፡ ግልጋሎት ብምቁራፁ ተገልገልቲ ኣብ ከቢድ ፀገም ከምዝወደቑ ተሓቢሩ።

ኣብ ትግራይ እቲ ዝዓበየ ትካል ጥዕና ኮምፕረሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር ብሰንኪ ሕፅረት መሳርሒ ሕክምና፣ መድሓኒትን ነዳዲን ክህቦ ዝፀነሐ ግልጋሎት ሕክምና ምቁራፁ ሓቢሩ።

እቲ ሆስፒታል ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝቕፅል ዘሎ ዕፅዋ ስዒቡ ኦክስጅን ዘምርተሉ መሳርሒታት ብምብልሻው ብድጋፍ ኦክስጅን ዝወሃቡ ግልጋሎታት ሕክምና ክህብ ከምዘይከኣለ ቺፍ ክሊኒካል ዳይሬክተር ሆስፒታል ዓይደር ዶ/ር ክብሮም ገብረስላሴ ተዛሪቡ።

“ሆስፒታልና ዝለዓለ ግልጋሎት ካብ ዝህብ ትካል ሐዚ ሓደ ጣብያ ጥዕና ክህቦ ናብ ዝኽእል ግልጋሎት ወሪዱ” ዝበለ እቲ ዳይሬክተር ብሰንኪ ሕፅረት ናውቲ ሕክምና ግልጋሎታት ኦፕሬሽን፣ ፅኑዕ ሕክምናን ተመላለስቲ ሕክምናን ክህብ ከምዘይከኣለ ገሊፁ።

በብግዚኡ እናተመናመነ ዝፀነሐ ናውቲ ላብራቶሪ ሐዚ ጠቕሊሉ ስለዝተወደአ ብላብራቶሪ ተደጊፎም ዝወሃቡ ግልጋሎታት ጠጠው ምባሎም እቲ ሆስፒታል ሓቢሩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ከም ትካል ግልጋሎት ንምሃብ ናብ ዘይኽእለሉ ብርኪ ምብፅሑ ዝጠቐሰ ዶ/ር ክብሮም ንልዕሊ ዓመት በጀት ስለዘይብሉ እቲ ሆስፒታል መሊኡ ናብ ዝዕፀወሉ ብርኪ ሓደጋ ምንጋዕ ስርዓት ጥዕና ምውራዱ ኣብሪሁ።

እቲ ሆስፒታል እቲ ዕፅዋ ዝፈጠሮ ቅልውላው ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ምስ ኮነ “ብዙሕ ኦፕሬሽን ክግበረሎም ዝግባእ ተሓከምቲ ናብ ገዝኦም መሊስናዮም ኢና” ክብል ገሊፁ።

ሆስፒታል ዓይደር ምስ ሰብሃፍቲን ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ብምዝርራብ ዝነበሮ ክፍተት ቀረብ ምግቢ ተሓከምቲ ክመሓየሽ ምስርሑ ዝሓበረ ዶ/ር ክብሮም ገብረስላሴ እቲ ኣብ መሳርሒ ሕክምናን መድሓኒትን ዝገጠሞ ፈተናታት ግና ክሳብ ሐዚ ክፈትሕ ከምዘይከኣለ ተዛሪቡ።

ህይወት ኣብ ኢድ እቲ ሆስፒታል ዝርከቡ ተሓከምቲ ሕፅበት ኩላሊት ንምውሓስ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝተረኸበ ውሱን መድሓኒት ብሰንኪ ምቁርራፅ መብራህቲን ሕፅረት ነዳዲን ኣብ ረብሓ ክውዕል ብዘይምኽኣሉ ተሓከምቲ ንሞት ይቃልዑ ምህላዎም ቺፍ ክሊኒካል ዳይሬክተር ሆስፒታል ዓይደር ዶ/ር ክብሮም ገብረስላሴ ኣረዲኡ።

ብተወሳኺ እውን ክህቦ ዝፀነሐ ግልጋሎታት ሃንደበታዊ ሕክምና መድሓኒት ከምኡ እውን ናውቲታት መደንዘዚን መጥባሕቲን ብዘይምህላው ከምዘቋረፀ ሆስፒታል ዓይደር ኣፍሊጡ።

እናተጋደደ ዝመፀ ሕፅረት ናውቲ ሕክምናን መድሓኒትን ሐዚ ድማ ምቁርራፅ መብራህቲን ስእነት ነዳዲን ተወሲኽዎ እቲ ዝወሃብ ዝነበረ ግልጋሎት መሊኡ ጠጠው ክብል ከምዝገበሮ ዶ/ር ክብሮም ሓቢሩ።

እቲ ሆስፒታል ግልጋሎት ክህብ ናብ ዝኽእለሉ ብርኪ ንምምላስ ንሰብኣውነት ዝግደሱ ኣካላት ቅልጡፍ ስጉምቲ ብምውሳድ ፀገማት ንምፍታሕ ክሰርሑ ቺፍ ክሊኒካል ዳይሬክተር ሆስፒታል ዓይደር ዶ/ር ክብሮም ገብረስላሴ ፀዊዑ።