ተጋሩ ዘፅንት ዘሎ ኩለመዳይ ዕፅዋ ትግራይ ፖለቲካዊ መፍትሒ ክግበረሉ ግዝያዊ ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንበረ ሰላማ ቤተ ክህነት ትግራይ ኣተሓሳሲቦም።

መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘቕነዐ ምንቅስቓስ ካብ ዝተጀመረሉ እዋን ኣትሒዙ ኣፈላላያት ብፖለቲካዊ ዘተ ክፍታሕ ፃውዒት ከቕርቡ ምፅንሖም ግዝያዊ ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንበረ ሰላማ ቤተ ክህነት ትግራይ ብፁእ ኣቡነ ጴጥሮስ ሓቢሮም።

እቶም ግዝያዊ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሰላም ብድሌት ሓደ ወገን ጥራሕ ክመፅእ ስለዘይኽእል መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጵያ ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ንዝተበገሰ ሰራዊት መሪቖም ብምስዳዶም ናብ ኣዕናዊ ኲናት ከምዘምረሐ ጠቒሶም።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘቕነዐ ምፅናት ዘርኢ ማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ህይወት ተጋሩ እናበለዐ ኩለመዳይ ዕንወት የስዕብ ብምህላው ዘላቒ ሰላማዊ መፍትሒ ክግበረሉ ብዕቱብ ክስራሕ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ህዝቢ ትግራይ ካብ ኲናት ዝርከብ ከስቢ ከምዘየለ ብምርዳእ በብእዋኑ እቲ ክካየድ ዝፀንሐን ዝካየድ ዘሎን ኲናት ብሰላማዊ ልዝብ ክፍታሕ ክሰርሕ ምፅንሑ ኣረዲኦም።

ሰላማዊ መፍትሒ ዝናደየሎም ኩሎም ዕድላት ምጥቃም ከምዝግባእ ዝሓበሩ ግዝያዊ ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንበረ ሰላማ ቤተ ክህነት ትግራይን ሊቀ ጳጳስ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይን ብፁእ ኣቡነ ጴጥሮስ መንግስቲ ትግራይ ንሰላም ቀዳምነት ንምሃብ ዘካይዶ ዘሎ ምንቅስቓስ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ኣተሓሳሲቦም።

“መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጵያ ንህዝቢ ትግራይ ክሒዶም ክሃልቕ ፈሪዶምሉ እዮም” ብምባል ሎሚ እውን ተወሳኺ ዕንወት ከየጋጥም መንግስቲ ይኹን ካልኦት ፅልዋ ፈጠርቲ ኣካላት ንሰላማዊ መፍትሒ ቅሩባት ክኾኑ ምዒዶም።

ኩናት ሞትን ዕንወትን ከምዘስዕብ ዝጠቐሱ ብፁእ ኣቡነ ጴጥሮስ ህዝቢ ትግራይ ካብ ፈለማ ኣትሒዙ ንሰላም ፃውዒት ከቕርብ ምፅንሑ ኣዘኻኺሮም።

ምሕደራ ቤተ ክርስትያን ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ምፍላዩ ስዒቡ ዝተጣየሸ ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ትግራይ ካልኣይ ጉባኤኡ ምዝዛሙ ዝጠቐሱ ብፁእ ኣቡነ ጴጥሮስ ሃይማኖታዊ ኣስተምህሮታትን ትካላዊ ምሕደራን ብቋንቋ ትግርኛ ክካየድ ምውሳኑ ጠቒሶም።

ዛጊድ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ መፃሕፍቲ ብትግርኛ ተዳልዮም ብጉባኤ ሊቃውንቲ እናተገምገሙ ብምሕታም ኣብ ግልጋሎት ይውዕሉ ምህላዎም ብምጥቃስ ንትምህርቲ ሓዊሱ ግልጋሎታት እታ ቤተ ክርስትያን ብትግርኛ ይካየድ ምህላው ሓቢሮም።